ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጭካነ ብመንገዲ ኣፈሙዝ ኣብ ምግላጽ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ኣብ ወሰናስን ከባቢታት ዶባት ትግራይ፡ክልተ መንእሰያት ብተመልከተለይ ቶኪሱ ምቅታሉ ምንጭታትና ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
እቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 19 ትሕሳስ 2025 ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ኣብ ከባቢታት ኣብ ታሕታይ መረብ፡ ብኣንፈት ዓድክልተ ኣብ ደንደስ ሩባ-መረብ ሸነኽ ኤርትራ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ መንነቶም ዛጊት ክንጽር ዘይተካእለ ክልተ መንእሰያት፡ ኮነ ኢልካ ብዝተፈጸመ ናይ ተመልከተለይ ስጉምቲ ጉጅለ ህግደፍ ሂወቶም ምሕላፉ”ዩ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘነጽር።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ብጉጅለ ህግደፍ ዝወርዶም ግፍዕን ጭቆናን ምጻሩ ዝሰኣኑ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ኤርትራ፡ ናብታ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ክትፈርስ እያ እንዳበለ ዝገልጻ ኢትዮጵያ ኣሽሓት ከፊሎም ክግዕዙ ዝተዓዘበ ጉጅለ ህግደፍ፡ ተኲስካ ቅተል ዝብል ትእዛዝ ሂቡ ቁጽሪ ዘይብሎም መንእሰያት ኣብ ከባቢ ዶባት ብቃጻ ከውድቆም ምጽንሑ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዶብ ዝሰግሩ መንእሰያት ክወስዶ ዝጸንሐ ስጉምቲ ወላ ውን ኣብቶም ንንግዲ ሸቀጣ ሸቀጥ ሒዞም ዝመላለሱ ዜጋታት ይፍጽሞ ምህላዉ፡ ህግደፍ ጸረ ህዝብን ሃገርን ኣረሜናዊ ጉጅለ ምኳኑ ዘረድእ ዓቢ ስእሊ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ህግደፍ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንዝዓቢ ዘሎ ነድርን ቁጥዐን ህዝቢ ኤርትራ ክጻወሮ ስለዘይከኣለ፡ ሃንደበታዊ ህዝባዊ ነቱጒ ከይውላዕ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ኤርትራ ክትግምቶ ዝኸብድ ኣደራዕ ይፍጽም ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እቲ ጉጅለ ክትፈርስ”ያ ናብ ዝብላ ኢትዮጵያ ዝውሕዝ ዘሎ ቁጽሪ መንእሰይ ኤርትራ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ብምህላዉን፡ ቁጽሪ ኣብ ኣሃዱታት ዘሎ መንእሰይ ውን ብዓቢ ቁጽሪ የንቆልቁል ብምህላዉን፡ ናይ ተኲስካ ቅተል ስጉምቲ ብምውሳድ ደው ከብሎ ይቃለስ ምህላዉን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ናይ ጨው ቀትሪ ተኲሲ ይከፍት ምህላዉን”ዮም ዝጠቅሱ።
እቶም ዝተቐተሉ ክልተ መንእሰያት፡ ቀንዲ መስመር ኮንትሮባንድ ኮይኑ ኣብ ዝርከብ መስመር ሩባ መረብ ብምቕታሎም፡ ካብ ስግረዶብ ንላዕሊ ሸቃጦ ክኾኑ ይክእሉ”ዮም ዝብል ግምት ምህላዉ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ጉጅለ ህግደፍ ፖለቲካ ጽምዶ ንከይፈርሶ ናብ ኤርትራ ዛኣትዉ ተጋሩ እንዳተኸናከነ፡ ናብ ትግራይ በጺሖም ዝምለሱ ኤርትራውያን ብብረት ይቅበሎም ምህላዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ገጢምዎ ንዘሎ ከቢድ ኣደራዕ ዘሪኢ ምኳኑ”ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ምስ ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ተባቲኩ፡ ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት ኮይኑ ህዝቢ ብብረት ንምርዓድ ዝሃልኽ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ 2026 ዓቢ ናይ ልምዓት መደባት ክፍልም ምኳኑ ዝገልጽ ብርክት ዝበለ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ወላ”ኳ እንተሃለወ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ተጸይኑ፡ ኣብ ከቢድ ተነጽሎ ወዲቑ ምህላዉ ውን”ዮም ዝገልጹ።