መበል 12 መዓልቱ ሒዙ ዝርከብ ጸረ-መንግስቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ኤራን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራንን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታታ እታ ሃገርን፡ ብሓያል ናህሪ ይቕጽል ምህላዉ ተገሊጹ።
እቲ ብሰንኪ ምንቁልቋል ዋጋ ባጤራ እታ ሃገር ዝተላዕለን፡ ድሮ 3ይ ሰሙኑ ዝሕዝ ዘሎን ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናከፈአ ይከይድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰንኪ እቲ ሓያል ናዕቢ ድሮ ልዕሊ 34 ተቓወምቲ ሰልፈኛታትን፡ ኣርባዕተ ኣባላት ጸጥታን ከምዝሞቱን፡ ኣስታት 2200 ዝቁጽሮም ሰልፈኛታት ውን፡ ብመንግስቲ ኢራን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ”ዩ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕብር።
ኣብ ስደት ዝነብር ወዲ ሻህ ኢራን ረዛ ፓህላቪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት እቲ ተቓውሞ ብናህሪ ክቕጽል ጻውዒት ድሕሪ ምቅራቡ፡ ቃላትን መጠንቀቅታን ዶናልድ ትራምፕ ተሓዊስዎ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ መሊሱ ከምዝሓየለ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ሎሚ ምሸት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኢራናውያን ናጽነቶም ሓቲቶም ክብል ኣብ X ዝጸሓፎ መልእኽቲ ውን፡ ብዙሕ ኣቓልቦ ስሒቡ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ሎሚ ብደረጃ ሃገር ኣብ ምሉእ ከባቢታት ኢራን ኣገልግሎት ኢንተርነት ተዓጽዩ ከምዘሎ ጸብጻባት ዝሓበሩ ኮይኖም፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢራን ነቶም ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው እታ ሃገር ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ሰልፈኛታት እንተቐቲሎም፡ “ንኢራን ኣበርቲዕና ክንሃርማ ኢና” ዝብል ምፍርራሕ ደጊሙ ምግላጹ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሰልፈኛታት ዓቢ ሞራል ፈጢሩ ምህላዉ እዩ ዝእመን።
ሎሚ፡ ብመሰረት እቲ ካብ ገለ ከተማታት እታ ሃገር ዝተረኽበ ስእሊ፡ ብዙሕ ህዝቢ ከምዝተኣከበን፡ እቲ ኣንጻር መንግስቲ ካሚኒ ዝግበር ዘሎ ተሪር ተቓውሞ ውን ገና ብዝሓየለ መልክዑ ይቅጽል ምህላዉን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር መንግስታውያን ቴለቪዥናንት መራኸቢ ብዙሃን ኢራንን፡ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣቃሊለን ብምጥማትን ንእሽተይ ሪኢቶ ኣንጻር መንግስቲ ምኳኑን ብምጥቃስ ሸፈነ ክህቦኦ ከም ዘይመረጻ’ዩ ዝንገር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ዜጋታት ተሪር ስጉምቲ ከምዝውሰድን፡ ንሂወቶም ኣብ ግምት ከእትዉን ዝጽውዕ ተሪር መጠንቀቅታ ኣመሓላሊፉ።
ካሚኒ ትማሊ ንግሆ ንደገፍቲ መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መግለጺ፡ እቶም ንስም ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ጎደና ዝርከቡ ተቓወምቲ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንምሕጓስ ጥራይ፡ ኣብ ቴህራንን ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ወጺዮም፡ ናይ ገዛእ ሃገሮም ህንጻታት የዕንው ኣለው ክብል ቁጥዑኡ ድሕሪ ምግላጽ”ዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ገዙኡ ክምለስ እንተዘይኪኢሉ፡ መንግስቲ ኢራን ተሪር ስጉምቲ ናብ ምውሳድ ክሰጋገር ምኳኑ ዘጠንቅቅ።
ካሚኒ ኣብ መግለጺኡ፡ ንኢራን ረቢሽዋ ዘሎ ኩነታት፡ እቶም ናዕቢ ዘካይዱ ዘለዉ ዜጋታትን፡ ገለ ሃገር ዝጎድእ ዕላማ ዘለዎም ውልቀሰባትን፡ ይድግፈኩም’የ ብዝብል ዘረባ ዕሽነት ትራምፕ ይምርሑ ምህላዎም ምኳኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ትራምፕ ዓቕሚ እንተሃልይዎ ንሃገሩ የመሓድር ክብል”ዩ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፕረዚደንት ዘለዎ ቁጥዐ ገሊጹ ዝርከብ።
ካብ 1989 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ኢራን ካሚኒ፡ ኣእዳው ትራምፕ ን12 መዓልታት ኣብ ዝቐጸለ ረጽሚ እስራኤል ብዝተሰውኡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኢራናውያን ዝረስሐ እዩ፡ ብምባል ንዶኣልድ ትራምፕ ከም ፈጽሚ ገበን ብምጥቃስ፡ ንመግለጺ እቲ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ምኩናኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ሰበስልጣን ኢራን ሰለማዊ ሰልፈኛታት ክቐትሉ እንተጀሚሮም፡ ዋሽንግተን “ከተድሕነኩም ክትመጽእ እያ፡” ዝበል ቃላት ትራምፕ፡ ኣዝዩ ከምዘቆጠዖ’ዩ ዝገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ኪር ስታርመር ብወገኑ፡ ሰበስልጣን ኢራን ልጓም ክገብሩን፡ መሰረታዊ ናጽነት ከኽብሩን ግዴታ ኣለዎም ብምባል፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን፡ ናይ ምእካብን መሰል ኢራናውያን፡ ክኽብር ዝጽውዕ መተሓሳሰቢ ናብ መንግስቲ ኢራን ምልኣኹ ኣይርሳዕን።
ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ህዝቢ ኢራን፡ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ሎረስታ ኣብ እትርከብ ከተማ ኮራማባድ፡ ነታ ቅድሚ ናይ 1979 እስላማዊ ሰውራ ዝነበረት ወግዓዊት ባንዴራ ኢራን፡ ሒዞም ይንቀሳቀሱ ምህላዎምን፡ ኪንዮ ጸገናዊ ለውጢ፡ ምእላይ መንግስቲ ካሚኒ ይጠልቡ ምህላዎምን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ መንግስቲ ካሚኒ ነቲ ኩነታት ከዝሕሎ ዓቅሚ ይስእምን ምህላዉ”ዩ ዝእመን።
ብኻልእ ወገን፡ ብ31 ጥቅምቲ 1960 ዝተወልደን፡ ቦኽሪ ወዲ ኣብ እስላማዊ ሰውራ ካብ ስልጣኑ ንዝተኣልየን፡ ናይ መወዳእታ ንጉስ ኢራን ሻህ ዝኮነን ፓህላቪ፡ ሚልዮናት ኢራናውያን ናጽነቶም ኣብ ምሕታት ኣለዉ ዝብል ቃላት ኣብ ናይ X ሕሳቡ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ እቲ ተቃውሞ መሊሱ ምሕያሉን፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ምባሉን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቁጽሪ ተቓወምቲ እንዳዓበየ ይከይድ ምስ ምህላዉ፡ ኢራን ኣብ ቀራና መንገዲ ምህላዋ”ዩ እቲ ኩነታት ዘረድእ።
ወዲ ንጉስ ሻህ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ስደት ይነብር ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢራን ዳግማይ ናቭ ንጉሳዊ ቤተሰብ ክትምለስ ድሌት ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ኢራን ድሕሪ መንግስቲ ካሚኒ፡ ብረፈረንደም ገዛእ ናጽነቱ ናይ ምውሳን መሰል ክረክብ ከምዘለዎ”ዩ ዝምጉት።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ምስልታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኢራናውያን ደቂ ኣንስትዮ ንስእሊ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሚኒ፡ ብሽጋራ ገይረን እንዳቃጸሎኦ ከለዋ ዘሪኢ ምስልታት፡ ካልእ ዓቢ ዓቃልቦ ዝሰሓበ ኩነታት ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ገበናዊ ሕግታት ኢራን ምኳኑ ዝንገረሉ ምቅጻል ስእሊ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ብደቂ ኣንስትዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክዝርጋሕ ምጅማሩ፡ ሓይሊ እቲ ተቓውሞ ዝገልጽ ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ኢራን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ወይ ውን ኣብ ቅድሚ ሰብ ሽጋራ ከትክኻ፡ ፍጹም ዘይትፈቅድ ሃገር ምንባራ ዝገልጹ ገለ ተንተንቲ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ክልቲኡ ሕግታት ብምጥሓስ ኣንጻር እቲ ስርዓት ተላዒለን ናብ ጎደናታት ምውሓዘን፡ መንግስቲ ካሚኒ ገጢምዎ ዘሎ ብድሆ ብቀሊል ዝዓርፍ ከምዘይኮነ”ዩ ዝእመን።
እዘን ደቂ ኣንስትዮ ሕጊ ጥራሕ ኣይኰናን ዝጥሕሳ ዘለዋ፡ ንግዱድ ትእዛዝኩም ውን ንነጽጎ ኢና ዘለና፡ ኣይነክብሮን ኢና፡ ኣይትውንንናን ኢኹም ወዘተ ዝብል ቃላት፡ ኣብቲ ዝገብሮኦ ዘለዋ ተቓውሞ ይስማዕ ምህልው ዝገለጹ ጸብጻባት እታ ሃገር፡ ህዝቢ ኢራን ካብ ዝሓለፈ 10ታት ዓመታት ከም’ዚ ዓይነት ነድሪ ኣንጸባሪቁ ከምዘይፈልጥ”ዮም ዝገልጹ።
ሓደ ካብ ዝከፉኡ ውልቀመለኽቲ ስርዓታት ዓለም ምኳኑ ዝንገረሉ መንግስቲ ካሚኒ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ተላዒሉ ዘሎ ከቢድ ሕቶታት ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ከም ኩሎም ውልቀመለኽቲ ዓለም ህዝቢ ኣብ ምፍርራሕን፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ምዕጻውን ምህላዉ ዝገለጹ ኢራናውያን ሰልፈኛታት፡ ዕላሞኦም ክሳብ ዝዕወት ናብ ገዞኦም ክምለሱ ከምዘይኮኑ”ዮም ዝገልጹ።