ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ክቱር ጽልኢ፡ ብተግባራቱ ኣብ ምግላጽ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ መንእሰያት ናይ ቅንጸላ ተግባራት ምፍጻሙ፡ ካብ ቃል ስድራቤታት ግዳያት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ብዕለት 7 ጥሪ 2026 ዝተፈጸመ ኣነዋሪ ተግባር፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ መንእሰያት ዝተፈጸመ ቅሉዕ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ምንባሩ ቃል መሰካክር ዝገለጸ ኮይኑ፡ በቲ ዝተፈጸመ ኣነዋሪ ናይ ሸፋቱ ተግባር፡ ሓደ ወዲ 40 ዓመት መንእሰይ ቡኡ ንቡኡ ሂወቱ ክሓልፍ እንከሎ፡ ምስኡ ዝነበረ ካልእ መንእሰይ ብማህረምቲ ሓሊፍሉ፡ ዝለዓለ ሕክምና ንምርካብ ናብ ኣስመራ ከምዝተወስደ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ዓዲ ሹማ ኣብ ኑኡስ ዞባ ጊንዳዕ ከባቢ ጋሕቴላይ፡ ኣብ ጥቃ ማይ ውዑይ እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ ምኳና ዝሓበሩ እቶም መሰኻኽር፡ ኣብታ ዕለት ካብ ከባቢ ዓዲ ዒለ ዝመጹ ወተሃደራት፡ መንእሰያት ንምግፋፍ ነታ ዓዲ ምስ ከበብዋ፡ ነቲ ከበባ ዝተዓዘቡ ክልተ መንእሰያት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ሰዓት፡ እቲ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ኣዛዚ ናይቶም ወተሃደራት ብዝኮነ ወዲ ፍርዙን ዝተባህለ ኣዛዚ ሰራዊት ከምዝተፈጸመ”ዮም ኣብ ሓበሬቶም ዝገልጹ።
ክልቲኦም ግዳያት መንእሰያት፡ በቲ ናብ ነብሶም ዝዘነበ ጠያይት ወዲ ፍርዙን፡ ነዊሕ ርሕቀት ከይከዱ ከምዝወደቁን፡ ሓሰን እድሪስ ሓሰን ዝተባህለ መንእሰይ ከኣ፡ ንእለቱ ሂወቱ ምሳኣኑ ዝገለጹ ኣባላት ስድራቤት ግዳያት፡ ኣብ ከባቢ ኣፉ ማህረምቲ ዝበጽሖ ስዒድ ወዲ ሓያ ግን፡ ካብ ሞት ተሪፉ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ኣስመራ ይሕክም ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ድሕሪ”ቲ ፍጻመ፡ ስድራ መዋቲ ቀታሊ ወድና ይነገረና፡ ቀታሊ ወድና ከይፈለጥና ኣይንቀብርን ብምባል፡ ሬሳ ውላዶም ሓሰን እድሪስ ኣብ ፍርጅ ንኽጸንሕ፡ ናብ ሆስፒታል ጊንዳዕ ምድያቦም ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ ፈጻሚ ገበን ወዲ ፍርዙን ግን ኣማስዩኡ ነቶም ስድራ ብምርካብ ቀታሊ ወድኩም ኣነ”የ፡ ኣብ ትበጽሕዎ ስለዘይብልኩም ከኣ ሬሳ ወድኹም ቅበሩ ዝብል መሪር ቃል ከምዝተዛረቦምን፡ ድሕሪ ቃላት ወዲ ፍርዙን ውላዶም ሓመድ ኣዳም ምልባሱን”ዮም ዝገልጹ።
ስድራቤት መዋቲ፡ ድሕሪ”ቲ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ቅትለት ወዶም፡ ናብ ፖሊስ ጊንዳዕ፡ ምምሕዳር ከባብን፡ ምምሕዳር ኑኡስ ዞባን ብምኻድ፡ ጉዳይ ኣማውታ ወዶም ክጻረን፡ ቀታሊ ክንገሮምን ዝሓተቱ ኮይኖም፡ ይኹን እምበር እቲ ጨው ቀትሪ ዜጋታት ዝረሸነ ኣገልጋሊ ምልኪ ወዲ ፍርዙን፡ ንኩሎም ኣካላት ናይቲ ከባቢ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ምጽራይ ከይገብሩ መጠንቀቅታ ብምሃቡ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ትካላት ፖሊስን ምምሕዳራትን ጉጅለ ህግደፍ፡ ቃንዞኦም ክሰምዑን ፍታሕ ክህቡን ዓቅሞም ከምዘይኮነ ብምንጋር፡ ንስድራግዳያት ከምዘፋነዉዎም”ዩ ዘረድእ።
ቅድሚ ከባቢ ሓደ ወርሒ፡ ያፌት የማነ ንዝተሰምየ ትሕቲ ዕድመ መንእሰይ፡ ኣብ ቀራና ኩዶ ተኲሱ ዝቀተለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ጉዳይ ያፌት መዕለቢ ከይረከበ ሕጂ ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ መንእሰያት ዓዲ ሹማ ከምዚ ዓይነት ተግባር ምፍጻሙን፡ ኣብ ትበጽሕዎ የብልኩምን ዝብል ኣነዋሪ ቃላት ክጥቀም ምጅማሩን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጽላኣት ብወግዒ የንጸባርቅ ምህላዉ ዝምስክር ኮይኑ፡ እቲ ብከቢድ ተነጽሎ ህዝቢ ዝሳቀ ዘሎ ጸቢብ ጉጅለ፡ መለኽቲ ስርዓታት ኣብ እዋን ዕርበቶም ንዝፍጽምዎ ተግባራት ብምፍጻም፡ ኤርትራ ሃገር ድኩማትን ስዑራት ዜጋታትን ንምግባራ ይደክም ዋላ”ኳ እንተሃለወ፡ ህግደፍ ከም ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት እዛ ዓለም፡ ግዚኡ ወዲኡ ምዕራፉ ብውርደት ተዓጽዩ፡ ካብ ምድሪ ኤርትራ ዝሕከኸሉ እዋን ርሑቅ ዘይምኳኑ ኣየማትእን።