ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ 21 ጥሪ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን፡ ዜጋታት 75 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ውን ናብ ኣመሪካ ከያኣትዉ ምእጋዱ ኣፍሊጡ።
እቲ ምምሕዳር ትማሊ ረቡዕ 14 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ናይ ኣመሪካ ንዝግበር ምንሻው ደው ከምዘብሎን፡ ደገፍ ኣመሪካ ተጠቂሞም ሃብቲ ንዝድልቡ ዜጋታት ንምቁጽጻር ነቲ ሕጊ ከምዘተኣታተወ”ዩ ዝገልጽ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዳግማይ ናብ ስልጣን እንተዳኣተመሊሱ፡ ቍጽሪ ናይቶም ናብ ኣመሪካ ዝውሕዙ ሕጋውያንን ብዘይሕጋውን ስደተኛታት ደው ንምባል ቃል ምእታዉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ትማሊ ዝወጸ ዜጋታት 75 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከያኣትዉ ዝእዝዝ ሓድሽ ሕጊ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውን ምህላወን”ዩ ዝንገር።
ሓድሽ እግዳ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ካብ 21 ጥሪ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝከውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ካብ ኣፍሪቃ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣልጀርያ፡ ግብጺ፡ ካሜሮን፡ ጋምብያ፡ ጋና፡ ኣይቮሪ-ኮስት፡ ላይበርያ፡ ሊብያ፡ ናይጀርያ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ርዋንዳ፡ ሰኔጋል፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ ዩጋንዳን ቱንዝያን፡ ኣብቲ ዝርዝር ኣትየን ምህላወን”ዩ ኣሶሸይትድ ፕረዝ ዝገልጽ።
ኣፍጋኒስታን፡ ኣልባንያ፡ ኣርመንያ፡ ኣዘርባጃን፡ ባሃማስ፡ ባንግላድሽ፡ ቤላሩስ፡ ቦዝንያ፡ ብራዚል፡ ካምቦድያ፡ የመን፡ ታይላንድ፡ ሶርያ፡ ኔፓልን ካልኦትን ውን፡ ኣብቲ ናይ እገዳ ዝርዝር ተጠቂሰን ምህላወን ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡
ኣመሪካ፡ ሸኸም ህዝቢ ኣመሪካ ንዝዀኑን፡ ልግሲ ህዝብን መንግስትን ኣመሪካ ክምዝምዙ ንዝጸንሑ ዜጋታት ዓለም ደው ንምባል ነቲ እገዳ ምርቃቓ”ዩ ምክትል ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቶሚ ፒጎቲ ዝገልጽ።
እቲ ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዝምራሕ ክፍሊ፡ ደገፍ ንምርካብን ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣመሪካ ረብሓ ንምርካብን፡ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝጸንሑ ዜጋታት ወጻኢ፡ ዳግማይ ከምዚ ዓይነት ዕድላት ክረኽቡ ከምዘይኮኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካብዘን 75 ሃገራት ስድራቤት ብምጥርናፍ ኮነ ብናይ መጻምድቲ ጉዳይ ናብ ኣመሪካ ዝግበር ዝነበረ መስርሕ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንዘይተፈልጠ ግዜ ደው ከምዘበሎ”ዩ ምክትል ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቶሚ ፒጎቲ ዝገልጽ።
ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከን ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ቆንስላውያን ኣብያተ ጽሕፈት ንዜጋታት እተን ኣብዚ ዝርዝር ኣትየን ዘለዋ 75 ሃገራት፡ ኵሉ ናይ ቪዛ መስርሓቶም ደው ከብልዎ መምርሒ ሂቡ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እንተዀነ እቲ እገዳ ቪዛ፡ ስደተኛታት ንዘይኮኑ ግዝያውያን በጻሕቲ፡ ከምኡ ከኣ ብስራሕ ንዝገሹ ከምዘይምልከት’ዩ እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ ዘረድእ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ካብተን ትራምፕ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ኣስጋእቲ’የን ዝበለን፡ ከም ሩስያ፡ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታንን ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጽኡ ገያሾ ኣገዳ ቪዛ ከምዝገበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ፡ ብሓደ ስደተኛ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጥይት፡ ምምሕዳር ኣመሪካ ብቕጽበት ኣብ ልዕሊ 19 ሃገራት እግዳ ምንባሩ’ውን ዝዝከር”ዩ።