ጉጅለ ህግደፍ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ምቅባል ትዋሳእ ኣላ ክብል ዘቅረቦ ክሲ፡ ውጹእ ሓሶትን ኲናት ንምውላዕ ዝእለም ዘሎ ምኽንያትን’ዩ ክብል ከሲሱ።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከይተረፈ፡ ንዕጡቃት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ተዓሊም ኣብ ምሃብን፡ ስንቂ ኣብ ምቕባልን ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቅረቦ ክሲ፡ ተግባራቱ ብምሽፋን ኲናት ንምውላዕ ከም መመሳመሲ ዝቀርብ ዘሎ ጥርዓን’ዩ ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ እቲ ንፖለቲካ ጽምዶ ከም ስልቲ ተጠቂሙ፡ ሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ምግሃስ ዝርከብ ጉጅለ፡ ኢትዮጵያ ኲናት ክትውልዕ ስለዝደለት’ያ ተመኻኒ ዘላ ክብል ምፍታኑ፡ መራኣያ ናይቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይዓርፍ ስጋኣት ብምቅማጥ፡ ፖለቲካዊ ረብሓ ምርግጋጽን፡ ስልጣን ምሕላውን ዝብል ኣጀንዱኡ ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብወግዒ ተሰጒጉ፡ ብሕጽረት ዛንታ ዝሳቀ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ምስ ፋኖ ኦነግን ህወሓትን ስልታዊ ዝምድና ብምፍጣር፡ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ዝእለየሉ ስርሒት ንምቅልጣፍ፡ ብጸጋታት ህዝቢ ኤርትራ ዕጡቃት ሓይልታት እንዳዕጠቀ፡ ኣብ ሰይጣናዊ ዕላማ ተዋፊሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ስውር ናይ ጸጥታ ጉጅለ ፈጢሩ ዝንቀሳቀስ ዘሎ ጉጅለ፡ ኢትዮጵያ ሉኡላውነት ኤርትራ ክትደፍር ትዳሎ ኣላ ብምባል ናይ ተጠቃዒ ስምዒት ክፈጥር ዝፍትን እኳ እንተኮነ፡ ናይ መን ሰዓረ ኲናት ንምውላዕ ኣብ ጥርዚ ህርፋን ምህላዉ ግን ዝፍለጥ”ዩ።
ኢትዮጵያ ብደረጃ ቃላት ኣብ ልዕሊ ሉኡላዊ ግዛኣት ኤርትራ ንእትገብሮ ጥሕሰት፡ ግቡእ ሕጋዊ ክሲ ካብ ምቅራብ ንላዕሊ፡ ንኲናት ከም መፍትሒ ዝጥምት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ንኲናት ዝዕድም ተግባራት ኣብ ምስራሕ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኩሉ ዓይነት ዕድላት ዝተዓጽዎን፡ ኣብ ከቢድ ተነጽሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝርከብን ጉጅለ፡ ሃገር ናብ ደማዊ ኲናት ብምዕዳምን፡ ናይ ኣይ-ኲናት ኣይ-ሰላም ሃዋሁ ብምፍጣርን፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝሓለፈ 30 ዓመታት ካብ ሕቶ ርሒቁ ክነብር ዘገድዶ ናይ ስግኣት ፖለቲካ ኣብ ምዕያይ ምህላዉ ዝሰሓት ኣይኮነን።
ብ14 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ፈደራል ፖሊስ ከም ዝመልክቶ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ዕጡቃት ጕጅለታትን ታሪኻውያን ጸላእቲ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር፡ ካብ ኤርትራ ዝለኣኮ ኣስታት 56ሽሕ ጠያይት፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ካኣቱ ከም ዝሓዘ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ወጥሪ እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ ግዜ ዝተሰምዐ ክሲ፡ ነቲ ኩነታት መሊሱ ከጋድዶ ከምዝክእል’ዩ ዝእመን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ሻዕብያ ክብል ዝገለጾ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስቲ ጽንፈኛ ክብል ዝገለጾ ውድብ ህወሓትን ስሙ ዘይተጠቅሰ ታሪካዊ ናይ ደገ ጸላኢ ብምትሕብባር፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ናይ ሽበራ ስራሕ ይሰርሕ ምህላዉ ዝኸስስ ኮይኑ፡ ብጉዳይ ግድብ ኣባይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸረረ ምትፍናን እትርከብን ግብጺ፡ እታ ከም ታሪካዊት ጸላኢት ኢትዮጵያ እትረአ ሃገር ምኳና”ዩ ዝእመን።
እቲ ብመንገዲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኤርትራ ዝተበገሰ ጠያይት፡ ብ13 ጥሪ ኣብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መፈተሺ ነቝጣ ወልድያ ከምዝተታሕዘ ፈደራል ፖሊስ ዝሓበረ ኮይኑ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስንቂ ካብ ኤርትራ ተበጊሱ ብኣንፈት ትግራይ ኣቢሉ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝርከቡ “ኣኽረርቲ” ዝበሎም ዕጡቃት ሓይልታት ፋኖ፡ ይሰጋገር ምንባሩ’ዩ መግለጺ ፖሊስ ወሲኹ ዝሕብር።
ነቲ ኣጽዋር ብምስግጋር ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ከም ዝተታሕዙን፡ ብዝተገብረሎም መባእታዊ መርመራ ውን፡ እቲ ጠያይት ካብ ጉጅለ ህግደፍ ንህወሓት ተዋሂቡ ዝሰጋገር ምኳኑን፡ ብመቐለ ኣቢሉ ናብቲ ዕጡቓት ፋኖ ዝርከብዎ ሽዋሮቢት ዝተባህለ ከባቢ ይጓዓዝ ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት ከምዝተታሕዘን”ዩ ዝገልጽ።
ኢትዮጵያ ክትወረና ትዳሎ ኣላ፡ ኲናት ይመጽእ ኣሎ፡ ባሕርና ንሓሉ ወዘተ እናበለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይዓርፍ ናይ ኲናት ሃዋሁ ተኣሲሩ ንክነብር ኣብ ምድካም ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ መንግስቲ ብልጽግና ካብ ኢትዮጵያ ንምውጋድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ብልጽግና ንዝንቀሳቀሱ ዕጡቃት ሓይልታት ፋኖ ኦነግን ህወሓትን፡ ሰፍ ዘይብል ገንዘባውን ወተሃደራውን ደገፋት ይገብር ምህላዉ፡ ሳሕቲ ክጀሃር ኢሉ ኣብ ዘምልቆም ቃላት ክእመን ተሰሚዑ’ዩ።