ንዝሓለፈ ኣስታት 35 ዓመታት ብዘይ ቅዋምን ምርጫን፡ ብሓደ ውልቀ መላኺ እንዳተመርሐ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ስማዊት ሚኒስትር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምዝሸመ፡ ብመንገዲ ዘይወግዓውያን ናይ ሚድያ መሓውራቱ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ሃገራዊ ቅዋም፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ኣካል ዘይብላ ሃገር፡ ሃገራዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ትካላዊ ፖሊሲን ካልእ መሰረታዊ ትካላት መንግስትን ካብ ምትካል ሓንጊዱ፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ህዝቢ ኤርትራ ርእይዎ ኣብ ዘይፈልጥ መግዛእታዊ ምሕደራ ክወድቅን፡ ብሕሰም መነባብሮ ናብ ስደት ክፈልስን ጌርዎ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ብሓደ ውልቀመላኺ ዝምራሕ ጉጅለ፡ መቀጸልታ ናይቲ ህዝቢ ንምትላል ዝገብሮ ተግባራቱ፡ ሓዳስ ጓለንስተይቲ ዶ/ር ሓሊማ መሓመድ ሚኒስተር ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምሻሙ ዋላ እኳ እንተገለጸ፡ ንህዝቢ ኤርትራን መጻኢ ዕድሉን ዝኮነ ይኩን ተራ ክህልዎ ከምዘይኮነ ንጹር’ዩ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ፡ ንዝሓለፈ 8 ዓመታት ብዘይዝኾነ ሚኒስተር ክጓዓዝ ምጽንሑ ንባዕሉ፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ዝሰረተን፡ ንሓደ ሰብ መሰረት ዝገበረን ውልቀመላኺ ምሕደራ ዘረጋገጽ ኮይኑ፡ ብውልቃዊ ድላይ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሚኒስተር ምሻሙ ከም ዓቢ ዓወት ቆጺሩ፡ ስማዊ ስልጣን ንዝተዋህባ ሓዳሽ ሚኒስተር ከመጉስ እኳ እንተቀነየ፡ ትካላዊ ምሕደራ ክሳብ ዘይሃለወ ምምጻእ እታ ሚኒስተር ጥራሕ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ሃገር ዘበርክቶ ነገር ዘይምህላዉ ንጹር’ዩ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ ስልጣን ዘቀምጦም ሚኒስተራት፡ ውልቃዊ ድላይ እቲ ውልቀመላኺ ካብ ምምላእ ወጻኢ፡ ከም ሚኒስተራት መጠን ዝኮነ ይኹን ተራን ኣበርክቶን ከምዘይብሎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብውልቃዊ ተበግሶኦም፡ ኣብ ኤርትራ ዕብየት ንምርግጋጽን፡ ዝሓሸ ስራሕ ንምስራሕን ኣብ ዝብገስሉ ሰዓት ውን እንተኮነ፡ ኣብ ዓይኒ ብምእታው ከጠንቅቖምን ግዳይ ክገብሮም ዝርአ ብምኳኑ፡ ኤርትራ ኪንዮ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ትእዛዝ ዝህብ በዓልስልጣን ዘይብላ ሃገር ኮይና ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ።
ብተዛማዲ ተሞኩሮ ንዝነበሮም ክኢላታት ብምሕያርን፡ ካብ ስራሕ ከምዝድስክሉ ብምግባርን፡ ስልጣን ሃገር ገቢቱ፡ ብዘይ ዝኮነ ይኩን ሕጋዊ መስርሕ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ዝርከብ ጉጅሉ ህግደፍ፡ ምምዛዝ እዛ ሓዳስ ሚኒስተር፡ ናይ ለውጢ ስእሊ ተዋሂብዎ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራከቢታት ክንገርን፡ ነታ ሚኒስተር ዘመጉስ ዜናታት ክስራሓሉን ኣብ ምግባር ምቅናዩ ውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እታ ሓዳሽ ሚኒስተር ደረጃኣን ዓቅምታታን ብዘየገድስ፡ ትእዛዛት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ካብ ምፍጻም ዝሓለፍ ተራ ክህልዋ ስለዘይኮነ፡ ዝተረከበቶ ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝተርፍ ፋይዳ የብሉን።
ህዝቢ ኤርትራ ንምሒር ጨካን ባህሪ ጉጅለ ህግደፍን፡ ናይ ገዛእቲ ሓይልታት ምሕደሩኡን ተጸይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ኩልንትናዊ ለውጢ ክረጋገጽ ኣብ ዝጠልበሉ ዘሎ እዋን፡ ጉጅለ ህግደፍ ስማዊ ስልጣን ሚኒስተር ብምሃብ ስሙ ከጸብቅ ምቅላሱ ንባዕሉ፡ ሃገርና በጺሓቶ ምዘላ ደረጃ ውድቀት ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ዝተዋህቦ ግብረመልሲ ንባዕሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ንንየው ዝገበረ እንተገበረ ናብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ክመልሶ ዝኽእል ዘይምህላው’ዩ ዘረጋግጽ።