ብዘለዎ ዕብየት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ከምዝስራዕ ዝንገረሉ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ዝኽሪ ምምስራት 90 ዓመት ኣብ ዝጸንበለሉ ኣጋጣሚ፡ ንኤርትራ ረሚሳዋ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ ብኣንጻሩ፡ ነቲ ዝነበረ ናይ ጽንብል ኣጋጣሚ ከቃልል ምፍታኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዕብየት ኤርትራ ንላዕሊ ብፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝያዳ ከምዝግደስ ዘሪኢ ምኳኑ ተገሊጹ።
ኣብ 1921 ናይ መጀመርታ ኣውሮፕላን ኣብ ኢትዮጵያ ከዕርፍ ዝከኣለን፡ ካብ 1928 ጀሚሩ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝብል ስም ሒዙ ጉዕዙኡ ዝጀመረን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝገደመን ዓቢ ስም ዘለዎን ምኳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ንስሙ”ኳ ሓንቲ ነፈሪት ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ መዓልቲ ጽንብል ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብዘላ ዓቅሙ ክጻረፍን፡ ነቲ ዝተኻየደ ድሙቅ ጽንብላት ከቋሽሽን ከዋርድን ምውዓሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ሕማም ኢትዮጵያ ዝዓብለሎ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ምኳኑ’ዩ ዘንጸባርቅ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን መግዛእቲ’ኳ ርእይዎ ዘይትፈልጥ፡ ሕሱም ውድቀትን ድክነትን ክስከም ጌሩ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ብኽብ ዝበለ ጽንብል ዘካየደቶ ስነስርዓት ምምስራት ሓይሊ ኣየር፡ ዝቦኽቦኸ ውሽጡ ብምጥማት ክስከፍ እናተገቦኦ፡ ብናይ ሚዲያ መሓውራቱ ኣቢሉ ምሉእ መዓልቲ ነቲ ጽንብል ከዋርድ ምውዓሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቅ ኮይኑ፡ እዚ ውዱቅ ጉጅለ፡ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ካብ ምስራሕ ንላዕሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዕብየትን ብራከን ካሎኦት ህዝብታት ንከይቀንእ ብምሕሳብ፡ ንብራከ ሃገራት ከቆናጽብን ጽቡቅ ኣለና ዝብል ስምዒት ክፈጥርን ዝገብሮ ሃልኪ፡ ክሳብ ክንደይ ጸረ ጥፋኣት ጉጅለ ምኳኑ ክትርዳእ ዝገብር ምኳኑ’ዩ ዘረጋግጽ።
ንህዝቢ ኤርትራ ዓመታዊ ዘይጭበጥ ተስፋታት እንዳሀበ፡ ብናይ ሓሶት ትረኻ ትልኽ ኣብ ምባል ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ክትፈርስ ምኳና፡ ህዝባ ውን ክብተን ምኳኑ ዝገልጽ ዛንታታት መዓልታዊ እንዳፈጠረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስጋኣት ከቀምጦ ከምዝቃለስ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ባኣንጻሩ እታ ህግደፍ ክትፈርስ ዝመነያ ኢትዮጵያ ሰለይ እንዳበለት ልምዓታዊ መደባት ኣብ ምክንዋን ምህላዋ ይፍለጥ ።