መስራቲ፡ ዳይሬክተር፡ ጋዜጠኛን በዓል ሞያ ተክኒክን ብምኳን፡ ንሬድዮ ኤረና ንዓመታት ዝመርሐን ዘካየደን ብንያም ስምኦን፡ ናይ 2025 ዕዉት Servant leader for justice Award ብምኳን ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።
Servant leader for justice Award፡ ንኽብርን ዝኽርን ተስፋልደት ኣለም መሓረና ተሓሲቡ፡ ዓመታዊ ንኣብነታውያን ተቃለስቲ ዝዕደልን፡ ብስድራቤቱን ኣድነቕቱን ፈተውቱን ተወዲቡ ዝጀመረን ሽልማት ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ሎሚ ን2ይ ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ናይ ክብሪ ሽልማት፡ ብንያም ስሞኦን መራኣያ ኣበርክቱኡን ጻዕሩን ዕዉት
Servant leader for justice Award ንምኳን ከምዝበቅዐ’ዩ ጸብጻብ ኣዳላዊ ኮሚተ ዝገልጽ።
ኮሚተ ሽልማት Servant leader for justice Award ናይዚ ዓመት ብምኳን፡ ዕዉት ንምርቋሕ ዝቀረቡ ወ/ሮ ሓረጉ ቀለታ፡ ኣቶ ክብሪኣብ ይመስገን፡ ኣቶ ኢሰይያስ የማነን ኣቶ ተስፉ ስቲፋኖስን፡ ምስ ኣቦ-ወንበር እታ ኰሚተ በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ኢሰይያስ የማነ ብምኳን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ነዚ ሓድጊታት ተስፋልደት ኣለም መሓረና ንምዕቃብ ተባሂሉ ዝዕደል ሽልማት፡ “ይበቕዕዎ’ዮም” ተባሂሎም ብናይ ጽሑፍ መረዳእታ ካብ ዝተረቚሑ ሕጹያት ኣወዳዲሩ፡ ዕዉት ምምራጹ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ንዝተቀመጠ መምዘኒ ነጥቢ ረቋሒታት ተኸቲሎም ብዝሃብዎ ናይ ድምጺ መስርሕ ከኣ፡ ብንያም ስምኦን ዕዉት Servant leader for justice Award 2025 ኮይኑ ብድምጺ ከምዝተመርጸ”‘ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
መስራቲ፡ ዳይሬክተር፡ ጋዜጠኛን በዓል ሞያ ተክኒክን ብምኳን፡ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ምምራሕ ዝርከብ ጋዜጠኛ ብንያም ስሞኦን፡ ብሚድያን መራኸቢ ብዙሃንን ወግዓዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምክትታሉ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ከም ኣቕራቢ ዜና፡ ክኢላ ቴክኒክ፡ ቪድዮ ግራፈርን ኣርትዓይን ብምኳን፡ ንሓያሎ ዓመታት ዝሰርሐን፡ ዓቢ ተመክሮ ዝደለበን ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ስደት ጉዕዙኡ ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ፖለቲካዊ ዑቅባ ካብ ዝረክብ ኣትሒዙ፡
ምስ ካልኦት ብጾቱ ብምዃን ብምትሕብባር ሪፖርተራት ብዘይዶብ RSF፡ ካብ ከተማ ፓሪስ እትፍኖ ሳትላይት ራድዮ ኤረና ኣብ 2009 መስሪቱ ገና ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝርከብ ሰብ’ዩ።
ኣገልግሎት ሳተላይት ድምጺ ራድዮ ኤረና፡ ምስ ብዙሕ ሕጽረታትን ከበድቲ ብድሆታትን እናተራጸመት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘተኮረ መደባት፡ ብቋንቃ ትግርኛን ዓረብኛን ኣብ ምቕራብን ብምፍናውን፡ ከሙኡ ውን ምዕሩይን ሚዛናውን ሓበሬታ ናብ ምቅራብን ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ራድዮ ኤረና ብትግሁነት ብንያም ስሞኦንን ብጾቱን፡ ንዝነበረ ሃጓፍ ኣብ ምምላእ ዓቢ ኣበርክቶ ምግባራ ኣይርሳዕን።
ብዳይረክተርን ጋዜጠኛን ብምዃን ዓቢ ኣበርክቶ ኣብ ምግባር ዝርከብ ቢንያም ስሞኦን፡ ንዝተፈላለየ ተመክሮ ዘለዎም ጋዜጠኛታትን ጽሓፍትን ብምስታፍን ባይታ ብምፍጣርን፡ ልዕሉ ናይ መሪሕነት ዓቅሙ ዘመስከረን፡ ንሞያኡ ብዘይተጉላባነት ዝተወፈየን ኮይኑ፡ ድምጺ ራድዮ ኤረና ትካላዊ ተኣማንነት ዘጥረየት ማዕከን ዜና ኰይና ንክትቅጽል ውን፡ ጻዕርን መሪሕነትን ብንያም ልዑል ምንባሩ ወላ ውን ብጾቱ ዝምስክርዎ ሓቂ’ዩ።
ናይ ክብሪ ሽልማት Servant leader for justice Award፡ ሓድጊታት ተስፋልደት ኣለም መሓረና ንምዕቃብን፡ ጽልዉኡ ከም ዝቕጽል ንምግባርን፡ ዓመታዊ ኣሰሩ ዝተኸተሉን ንባህርያቱ ዝተላበሱን ኣብነታውያን ሰባት ዝወሃብ፡ ናይ ክብሪ መተባብዒ ሽልማት፡ ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ስነስርዓትን ኮይኑ፡ ኣዳላውን ኣቕራብን መስትያት ቤትና ዘካርያስ ክብርኣብ፡ ቦክሪ ዕውት Servant leader for justice Award ብምኳን ኣብ ጥሪ 2025 ሽልማት ድሕሪ ምቅባሉ፡ ሎሚ ዓመት ብተመሳሳሊ ብንያም ስሞኦን ዕዉት ናይዚ መደብ ኮይኑ ዝርከብ።
ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ንስሙይ መርበብ ሓበሬታ “ኣዝማሪኖ” ዝመስረተ፡ኤርትራውያን ናይ ምብህሃልን ዓቅሞም ዘዕብይሉን፡ ዝተፈላለዩ ድምጺታት ዝእንገደሉን መድረኽ ብምፍጣር ብኽብሪ ዝዝከር ተቕላሲ ኮይኑ፡ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ክኽበር፡ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ክነግስ፡ ከሙኡ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኩሉንተናዊ ጥሕሰት ሕጊ ደው ንኽብል ብዝተጻወቶ ዓቢ ኣበርክቶ፡ ብመንገዲ ናይ ክብሪ ሽልማት Servant leader for justice Award ዓመታዊ እንዳተዘከረ ክነብር”ዩ።