ካብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣትሒዙ፡ ዝተወሰኑ ኣባላት ስለያን ሃንደሳን ጥራሕ ገዲፉ፡ ካብ ከባቢታት መረብን ኣድያቦን ኣርሒቁ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ናብ ከባቢታት መረብን ኣድያቦን ከምዝተመልሰን፡ ብርክት ዝበለ ሰራዊት ክቆጻጸሮ ይገብር ምህላዉን፡ ካብቲ ቦታ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ምስ ዕጡቃት ሓይልታት ፋኖን ህወሓትን ጽምዶ ብምፍጣር፡ ብልጽግና ካብ ስልጣን ዝእለየለሉ መንገዲ ኣብ ምፍጣርን፡ ባዕሉ ዝመርሖ ኲናት ንምጽሕታርን ኣብ ድካም ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ”ቲ ኣብ ከባቢ ጸለምት ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ዝተኸፍተ ጎንጺ፡ ምሉእ ብምሉእ ናብ ኣድያቦ ብምእታው፡ ብርክት ዝበለ ሰራዊት ኣቐሚጡ ካብ ብቅርበት ንተከዘ እንዳማዕደወ ነቲ ኩነታት ኣብ ምክትታል ምህላዉ ዝገለጽ እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ኩነታት እንተሓይሉ ምስ’ቲ የተከዘ ዘብ ዝበሃል ዕጡቅ ሓይሊ ናብ ጎንጺ ካኣትወሉ ዝኽእል ኩነታት ምህላዉ’ዮም ምንጭታትና ወሲኾም ዝገልጹ።
ብተወሳኺ ካብ’ዚ ቀረባ ግዚያት ኣትሒዙ፡ ብርክት ዝበላ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ጸላም ተጎልቢበን፡ ብንጹር እንታይ ምኳኑ ዘይተፈልጠ ጽዕነት፡ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ መስመር ዛላምበሳ ጢሒሰን ክመላለሳ ምቅናየን ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ብወገን ኤርትራ ውን ብተመሳሳሊ ንመስመር ዛላምበሳ፡ እንዳሚካል ሒዘን፡ ናብ ዓድግራት ከይኣተዋ ንየማን ገጽ ብምዕጻፍ፡ መስመር ዳሞ ሒዘን ክመላለሳ ምቕናየን፡ ሒዘኖኦ ዝመላለሳ ንብረት ውን ንጹር ዘይምኳኑን’ዩ እቲ ካብ ከባቢ ግሎ-መኸዳ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘነጽር።
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ዝተፈጥረ ጎንጺ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሓየለ ይመጽእ ምህላዉ፡ ማዕከናት ዜና ኤኤፍፒን ሮይተርስን፡ ንጸጥታዊን ዲፕሎማስያዊን ምንጭታት ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ገሊጾም።
ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ትግራይን፡ ካብ ምጅማር እዚ ሰሙን ኣትሒዙ ጎንጽታት ይካየዱ ምህላዎም ዝገልጽ ሓበሬታ ክወጽእ ምቅናዩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጭቡጥ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኰይኑ እኳ እንተጸንሐ፡ ምስ’ቲ ድሕሪ ዝሰዓበ ምቁራጽ በረራ ነፈርትን፡ ገደብ ገንዘብ ዘቀመጠ ሓድሽ ናይ ባንኪ መምሪሒታትን ግን፡ እቲ ኩነታት ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ምህላዉ’ዩ ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ኤኤፍፒን ሮይተርስን ዘረድእ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ሰልፊ ስምረት ብወገኑ፡ ብሸነኽ ጸለምቲ ረጽሚ ከም ዝተላዕለ ኣረጋጊጸ ኣለኩ ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ መራሕቲ ህወሓት ሕጂ ውን ንመንእሰይ ትግራይ ናብ ጥፍኣት ይወስዱዎም ኣለዉ ክብል”ዩ ከሲሱ ዝርከብ።
ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ህወሓት ኰነ መንግስቲ ፈደራል፡ ነዚ ሓድሽ ረጽሚ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ብወግዓዊ ሓበሬታ ግን ዛጊት ዘይምህላዉ’ዩ ዝንገር።