ፕረዚደንት ግዝያዊ ምሕደራ ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ንእዋናዊ ኩነታት ግጭት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ፡ ብቀዳም ምሸት ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ተከዘ ተሳጊሩ ናብ ጸለምቲ ዛኣተወ ሰራዊት ትግራይ፡ ብትእዛዝ ክምለስ ከምዝተገብረን፡ ኣጀንዳ ንምፍጣር ዝዓለመ ምንቅስቃስ ምንባሩን ገሊጹ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተወሰነ ሓይሊ ሰራዊት ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ዝርከበሉ ከባቢታት ጸለምቲ ከም ዝኣቱ ገይርና ዝበለ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ዕላማ ምንቅስቃስ እቲ ሰራዊት ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ግጭት ከይፈጠርና፡ ናብ ግዝኣትና ናይ ምእታው ድሌት ከም ዘለና ንምዝኽኻር እምበር፡ ውግእ ንምውላዕ ዝተሓስበ ከምዘይነበረ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ሰራዊት ትግራይ ብትእዛዝ ካብ’ቲ ኣትዩዎ ዝነበረ ቦታታት ክምለስ ከምዝተገብረ’ዩ ዝገልጽ።
ነዚ ቅድሚ ምግባርና ማይዳጉሻ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ 4 ሰዓታት ዝወሰደ ዘተ ኣካይድና ኢና ዝበለ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ድሕሪ’ቲ ዘተ ዘይተጸበናዮ ቶክሲ ስዒቡ፡ እቲ ኩነታት ውን ናብ ምሉእ ውግእ ዝመስል ግጭት ተቐይሩ ድሕሪ ምባሉ፡ ነዚ ስዒቡ በረራ ነፈርቲ ደው ምባሉን፡ ምንቅስቓስ ድሮን እውን ካብ ስለያ ሓሊፉ ናብ መጥቃዕቲ ምስግጋሩ ድሕሪ ምግላጹ፡ ዕላማ እቲ ብወገን ትግራይ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣጀንዳ ምምላስ እምበር ኲናት ምውላዕ ዘይምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ኣብ ዝርከብ እንትጮ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ውን፡ ንግዳዊ ሸቐጥ ጽዒነን ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ክልተ ኣይሱዚ መካይን ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ምፍጻሙን፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሂወት ሰብ ከምዝጠፈአን፡ ንብረት ውን ከምዝዓነወን ዝገለጸ ጀነራል ታደሰ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘጋጠመ ሞት መጉዳእቲ ኣካልን ዕንወት ንብረትን ዝተሰምዖ ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ፡ ናብ ውግእ ናይ ምእታው ድሌት ከምዘየለ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ግጭት ድሕሪ ምኽሳቱ ውን እንተኮነ፡ ምስ ፌደራል መንግስቲ ቀጻሊ ናይ ቴሌፎን ርክባት ኣብ ምክያድ ምህላዎምን፡ በረራ ምስ ተጀመረ ውን ብኣካል ብምኻድ ክንመያየጥ ምኳኑን ዝገለጸ እቲ በዓልስልጣን፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝምለስሉ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዝረጋገጸሉ ኩነታት ኩሉ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ክኸውን ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።
ንውዕል ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ውን፡ ብሰላም እምበር ብውግእ ዝምለስ ሕቶ የብልናን ዝበለ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ጸገማትን ግጭታትን ክልዓሉ ከለዉ፡ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ክፍረዱ፡ ኩነታት ትግራይን ፈደራልን ሰለማዊ ፍታሕ ክናደየሉን’ዩ ጻውዒቱ ዘቅርብ።