ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ትማሊ ንግሆ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዓረብ፡ ናብ ሰራዊት ኣመሪካ ተጸጊዓ ኣብ ዝባን መርከብ ኲናት USS ኣብርሃም ሊንከን (CVN-72) ትዝንቢ ንዝነበረት ናይ ኢራን ድሮን ወቂዑ ከምዘውደቐ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እታ ትማሊ ንግሆ ኣብ ባሕሪ ዓረብ ዝተሃርመት ናይ ኢራን ድሮን፡ ሻህድ-139 (Shahed-139) ዝተሰምየት ናይ ስለላ ድሮን ምንባራ ዝጠቐሱ ኮይኖም፡ እታ ድሮን ናብ መርከብ ኲናት USS ኣብርሃም ሊንከን (CVN-72) ምስ ተጸገዐት፡ F-35C ብዝዓይነታ ፈጣን ነፋሪትን፡ ከሙኡ ውን ብመጥቃዕቲ ጸረ ድሮን ሓይሊ ባሕሪ (VMFA-314) ተወቒዓ ከምዝወደቐት ዝረዱኡ ኮይኖም፡ እቲ ፍጻመ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ንዝጸንሐ ወጥሪ ዘጋድድ ብምኳኑ ንብርክት ዝበላ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ስጋኣት ክወድቃ ጌሩ ምህላዉ’ዩ ዝእመን።
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ኣብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራ ምእታዉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኢራን ብወገና ከም ግብረመልሲ ንሰራዊት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ ከምዘቀመጠቶ ኣፍሊጣ።
ሃገራት ኤውሮጳ ጥቕሚ ኣመሪካ ንምፍጻም ብምባል ጥራሕ፡ ካብ ጥቕሚ ህዝበን ወጻኢ ዝኾነ ውሳነ’የን ወሲደን ዝበለ መንግስቲ ኢራን፡ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ርክባት ውን ምሉእ ብምሉእ ተበቲኹ፡ ኢራን ካብ ሃገራ ከተባርሮም ምኳና’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።