ማዕከን ሓበሬታ ዘ-ኢኮኖሚስት፡ ኣብ’ዚ ሳልስቲ ኣብ ገጻቱ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዝኮነ እዋን ንላዕሊ ናብ ኲናት ንምእታው ኣብ ገምገም ምህላዋ ገሊጹ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቕረቦ ናይ ዘተ ሕቶ ከምዘይቕበሎ፡ ካብ ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ከምዘረጋገጸ ዝገለጸ ዘ-ኢኮኖሚስት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ንዝተፈጥረ ወጥሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዘተ ክካየድ ዘቅረቦ ሕቶ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኣይምልከተኩምን’ዩ ዝብል መልሲ ምርካቡ፡ መጻኢ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ኲናት ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝእምት።
ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ኣጋር ሰራዊት ዘሰለፈ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ምስ ከበድቲ ኣጽዋራቱ ናብ ዶብ ትግራይ ይጽጋዕ ምህላዉ ኣብ ጽሑፉ ዝጠቀሰ ዘ-ኢኮኖሚስት፡ እቲ ኣብ’ታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ንኩሉ ሰለማዊ ዕድላት ዓጽዩ ናብ ናይ ኲናት ምርጫ ካኣቱ ከምዝኽእል’ዩ ዝገልጽ።
ዘ ኢኮኖሚስት ኣብ’ዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻቡ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ቀሊል ዘይበሃል ኣጽዋር ዓጢቁ ናብ ወሰናስን ትግራይ ተጸጊዑ ምህላው፡ ካብ ምንጭታተይ ኣረጋጊጸዮ ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ሓይልታት ትግራይ ንተከዘ ተሳጊሮም መጥቃዕቲ ምክፋቶምን፡ ምስ ሓይልታት ምክልካል ኢትዮጵያ ናብ ጎነጽ ምእታዎምን፡ እቲ ንወልቃይት ጸለምትን ንምቁጽጻር ዝተወስደ ስጉምቲ፡ መንግስቲ ፈደራል ከም ቅድመ ምድላው ነቲ ዓቢ ግጭት ጌሩ ከምዝዕዘቦ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እቲ ዝተፈጥረ ኩነታት፡ ብወገን ህወሓት ኣፍደገ ሱዳን ናይ ምቁጽጻር ድሌት ምህላው ዘርኢ እዩ ዝበለ ዘ-ኢኮኖሚስት፡ ነቲ ኩነታት ስዒቡ ክሳብ ናይ ድሮን ግብረ መልሲ ዝሃበ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትግራይ ብኩሉ ኣንፈት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ክትወድው ጌሩ፡ ነቲ ምዕባለታት ይከታተል ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበለ ሓደ ካብ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ብተመሳሳሊ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምሉእ ዓቕሙ ናብ ከባቢታት ትግራይ ይንቀሳቐስ ምህላዉ ንዘ-ኢኮኖሚስት ዝገለጸ ኮይኑ፡ መንግስቲ ብልጽግና ዝገብሮ ዘሎ ተግባራት ብህጹጽ ደው ከብል እንተዘይኪኢሉ፡ እዚ ውግእ እዚ ክሳብ ክንደይ ዘፍርሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማቱ ዘጸግም ከምዘይኮነ ብምጥቃስ’ዩ፡ ሓደገኝነት እቲ ኩነታት ከረድእ ዝፍትን።