ህወሓት ናብ ክልል ዓፋር ሽማግለታት ከምዝለኣከን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ተጋሩ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ዝምልከት ዘተ ከምዘካየዱን ተገሊጹ።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ TDFን፡ ሓይልታት ሰላም ትግራይ TPFን፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ክልል ዓፋርን ትግራይን ዝተወልዐ ንእስ ዝበለ ግጭት ኣብ ዝቐጸለሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ ትግራይ ዝተዋጹኡ ናይ ሃይምኖት ኣቦታት ሓራ መሬት ተባሂሉ ናብ ዝፍለጥ ከባቢታት ዓፋር ምካዶምን፡ እቶም ብTPF ዝፍለጡ ዕጡቓት ናብ ትግራይ ክምለሱን፡ ሰላም ከውርድ ዝክእል ኩነታት ኣብ ምፍጣር ክዋሱኡን ዝሓትት ምሕጽንታ ምቅራቦም ክፍለጥ ተካኢሉ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ብሃይማኖታውያን ኣቦታት ዝተመርሐ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተካየደ ናይ ሰላም ሽምግልና፡ ውጺኢቱ እንታይ ይመስል ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ቤትጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ ነቲ ብስም TPF ኣብ ሓራ መሬት ትግራይ ዝንቀሳቀስ ዕጡቅ ሓይሊ ሰላም ትግራይ፡ ብትሪ ነቒፊ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ቤትጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስትን ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ተጋሩ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንምፍታሕ፡ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታትን ብምልኣኽ፡ እቲ ኩነታት ብሰለማዊ ዘተ ዝፍታሓሉ ኣማራጺ ንምንዳይ፡ ልዕሊ ፍርቂ መንገዲ ተጓዒዙ ተደጋጋሚ ጻዕሪ እኳ እንተገበረ፡ ብወገን ሓይሊ ሰላም ትግራይ TPF ብዝተራእየ እምቢታ ግን፡ እቲ ተበግሶ ክሰልጥ ኣይከኣለን ብምባል’ዩ ንሓይሊ TPF ነቂፉ ዝርከብ።
ሓይልታት ሓሬ መሬት፡ ንቀንዲ ጸላኢ ትግራይ ደጀን ብምግባርን፡ ተልእኾ ናይ ደገ ሓይልታት ብምቕባልን፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘየድሊ ስግኣት ውግእ ክህሉ ጌሮም ኣለዉ ዝበለ ቤትጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ትግራይ፡ ሕጂ እውን ሰላም ትግራይ ንምርግጋጽ፡ ልዕሊ ፍርቂ መንገዲ ተጓዒዙ ደገፍ ክህብ ድልው ምህላዉ’ዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ቤትጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ኣብ መደምደምታ፡ ብጽምኢ ስልጣን ዝዓወሩ ሒደት መራሕቲ ሰራዊትን ፖለቲካን፡ ብሕታዊ ረብሓኦምን ንምርግጋጽ፡ ንሰራዊት TPF ናብ ትርጉም ኣልቦ መስዋእትነት የቃልዕዎ ምህላዎም ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ጽምኢ ስልጣን ከዳዓት ንምርዋይ ዝኽፈል ዘሎ መስዋእቲ ይኣክል ክበሃል ከምዘለዎ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።