ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዶባታ ክልል በኒሻንጉል ጉሙዝ፡ ምስጢራዊ መሰልጠኒ ማእከል ዳዕመ-ሰሪዕ ከምዝሃነጸት ሮይተርስ ዘካየዶ መርመራ ኣቃሊዑ።
እዚ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተሃንጸ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ዳዕመ-ስሪዕ፡ ኣሽሓት ተዋጋእቲ ወተሃደራት ዘሰልጥነሉ መዓስከር ምዃኑን፡ ብኢማራት ዓረብ ከም ዝምወልን ጸብጻብ ሮይተርስ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እዚ ምስቲ ሰራዊት ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ብዝተበገሳ ድሮናት ተጠቂዐ ክብል ዝሃቦ መግለጺ ብምዝማድ ሓቅነት ከምዘለዎ’ዩ ዝእመን።
ሮይተርስ ኣብ መግለጺኡ ግጭት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ካብ ዝካየዱ ዘለዉ ቀተልቲ ግጭታት፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ቅድሚት ከምዝስራዕ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ምስጢራዊ መዓስከር እቲ ግጭት ዞባዊ መልክዕ ይሕዝ ምህላዉ ዘረድእ ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ምስጢራዊ መዓስከር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ሱዳን ትሳተፍ ከምዘላ ዘረጋግጽ ናይ መጀመርታ ጭቡጥ መርትዖ ኰይኑ ምህላዉ ዝጠቀሰ ሮይተርስ ወሲኹ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭት እንዳገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ወተሃደራዊ መዓስከራት ትቅርብ ምህላዋ፡ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኮነ’ዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርከቦም ሸሞንተ ምንጭታት ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንህንጸት እቲ መዓስከር ብገንዘብ ከም ዝመወለትን፡ ወተሃደራዊ ስልጠናን ሎጂስቲካዊ ደገፋትን ውን ከምዝሃበትን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ ሃገሩ ኣብ’ቲ ግጭት ኢድ ከምዘይብላን፡ ብዝዀነ ይዅን መገዲ ኣብ’ቲ ተጻብኦታት ከምዘይተሳተፍን’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።