ኣመሪካ ኣጋር ሰራዊት ከየዋፈረት፡ ንመዓልታት ዝቕጽል ወታደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንምፍጻም ዘኽእላ ናይ ሓይሊ ባሕርን ኣየርን ኣጽዋራ፡ ናብ ከባቢ ዶባት ኢራን ከምዘጸገዐት፡ ናይ ሳተላይት ምስልታትን ሓበሬታ ምክትታል ነፈርትን ኣመልኪቱ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተገብረ ዘተ፡ ብዘይ ዝኮነ ውጽኢት ምዝዛሙ ስዒቡ፡ ኣመሪካ ልዕሊ 150 ነፈርቲ ውግእ፡ ኣብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ናብ ዝርከቡ መዓስከራታ ኲናት ከምዘንቀሳቀሰት ዋሽንግተን ፖስት ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ኣሰካፊ መልክዕ ምሓዙ’ዩ ዝእመን።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ክልተ ዓበይቲ ተሰከምቲ ነፈርቲ ዝኮና ወተሃደራውያን መራክብ፡ ናብ ወሽመጥ ፋርስ ከምዘንቀሳቀሰት ዝዝከር ኮይኑ፡
ኣመሪካ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ወራር ካብ ዘካየደትሉ ግዜ ንደሓር፡ ኣብ ከባቢ እቲ ወሽመጥ ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ሓይሊ ክተሰልፍ፡ እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ተንተንቲ ፖለቲካን ወተሃደራውያን ተዓዘብትን ከምዝብልዎ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ሕጂ ሰፊርሉ ዘሎ ከባቢ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራቕ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ግዚያት ሒዝዎ ካብ ዝነበረ ቦታ ዝበረኸ ምኳኑ ዝገልጹ ኮይኖም፡ እዚ ድማ ኣመሪካ ኣጋር ሰራዊት ከየዋፈረት ኣብ ልዕሊ ኢራን ንሓያሎ መዓልታት ዝጸንሕ ወታደራዊ ስርሒት ንምክያድ ትዳሎ ከምዘላ ዘመልክት ምኳኑ’ዮም ዝገልጹ።