ጉጅለ ህግደፍ፡ መንእሰያት ንምስዳዕን ገንዘብ ንምእካብን፡ ሓድሽ ኣዋጅ ጤሳ መሬት ከምዘውጸአ ተፈሊጡ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ብሰንኩ ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱን ከርፋሕ ናብራ ከሕልፉን ዝተገደዱ መንእሰያት ንምትላልን ገንዘብ ንምእካብን ዝዓለመ ተንኮል ንምትግባር፡ ቀይዲታትን ቅድመ ኩነትን ዘለዎ ኣዋጅ ጤሳ መሬት ኣውጺኡ።
ትሕዝቶ ናይ’ቲ ብመንገዲተን ጉጅለ ህግደፍ ዝምውለን ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዓቢ ብስራት ኮይኑ ተዘርጊሑ ዘሎ ኣዋጅ ጤሳ መሬት፡ “ንኹሎም ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝወጹ ዜጋታት መስርሕ ግቡእን ሕጋውን ቅጥዒታት ዘማልኡ፡ ከም ኩሉ ዜጋ ወጻኢ ግብኣቶም ኣማሊኦም ጤሳ ክወስዱን ሓድሽ ልቸንሳ ከውጽኡን፡ ኣቐዲሙ ልቸንሳ ዝነበሮምን ከሕድሱን መንግስቲ ኤርትራ ካብ’ዚ ወርሒ’ዚ ኣፍቂዱ ከምዘሎ ይገልጽ” ይብል።
ኣብ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ንነዊሕ ዓመታት መሬት ጤሳ ከይዕደልን ሓደስቲ ኣባይቲ ንኸይስራሕን ንኸይጽገንን ስለዝኸልከለ፡ ህዝቢ ብሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ክሳቐን ክጸሮ ዘይክእል ክራይ ገዛ ክኸፍልን፡ ስድራቤታት ኣብ ጸባብ ክፍሊ ተጨቃጩቆም ክነብሩን ተገዲዶም ኢዮም።
እዚ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣውጺእዎ ዘሎ ኣዋጅ ጤሳ መሬት፡ ቀንዲ ዕላማኡ ነቶም ኣብ ስደት ዘለዉ ዜጋታት ምእንቲ ንመንበሪ ገዛን ሸቀጥን መሬት ክዕደሉ ኢሎም፡ ናይ ጣዕሳ መሬት ክመልኡን ዘለዎም ገንዘብ ክነግፉን ዝተዳለወ መጻወድያ ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ኣሽምባይዶ ኣብ ስደት ዘሎ ዜጋ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ኤርትራዊ’ውን ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይፈጸመ፡ ኣብ ትውልዲ ዓዱ መስርሒ ገዛ ዝኸውን መሬት ኣይፍቀደሉን ኢዩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብጉጅለ ህግደፍ ዝፍጸም በደል፡ ኣብ ምዕዳል ጤሳ ከይተሓጽረ፡ ፍቃድ ንግዲ፡ ሓሚሙ ኣብ ወጻኢ ብገንዘቡ ክሕከም፡ ምስክር ወረቀት ቃል ኪዳን፡ ትውልድን ኩፖን ዱኳን ሕድሪ፡ ካልእ ኣገደስቲ ጉዳያትን፡ ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣባልነት ህግደፍን ቅድመ ኩነት ስለዘለዎ፡ ዝተሓላለኸን መሰልካ ዝግህስን ቀይዲታት ኢዩ ዘለዎ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ካብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምሕያርን ሞትን ክናገፉ ክስደዱ ዝተገደዱ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት፡ ሰብኣዊ መሰሎም ዝኾነ መሬት ጤሳ ክዕደሉ ገንዘብ ክኸፍሉን ኣብ መጻወድያ ዘእቱ ቅድመ ኩነት ከማልእን ምሕታቱ፡ ዘይሓላፍነታውን በደልን ኢዩ።
ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣባይቲ ክሰርሑን ትካል ክኸፍቱን፡ ኣሽሓት ገንዘብ ዝኸፈሉን ቦንድ ዝገዝኡን ኤርትራውያን፡ ኣባይቶም ኣብ መፈጸምታ ከይበጽሐ ዝተረፈን ተወሳኺ ገንዘብ ክኸፍሉን ስለዝተገደዱ ኣብ ዕዳን ጓህን ዝኣተዉ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዘይግዛእ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ኣሽምባይዶ ብህይወትካ እንከለኻ ዝዕደል መሬት ክትረክብ፡ ሬሳኻ ናብ ኤርትራ ክኣቱን ኣብ ዓድኻ ስነስርዓት ቀብሪ ክግበረልካን’ውን ምኽልካልን ብዙሕ ዋጢጥን’ዩ ዘለዎ።