ሓይሊ ኣየር፡ ሓይሊ ባሕርን ሓይልታት ጸረ ነፈርትን ኢራን፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተደምሰሰ፡ ኣመሪካ ብመንገዲ ጸሓፊ ሚኒስተር ኲናት ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ።
ጸሓፊ ሚኒስተር ኲናት ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ትማሊ ኣብ ዋሽንግተን ተረኺቡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መጠን ሚሳይላት ኢራን ብ90% ከምዝነከየን፡ ንመጥቃዕቲ ተወንጪፉ ዘይምለስ ድሮናት ውን ብ95% ከምዝጐደለ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ወተሃደራዊ ዓቅምታት ኢራን ምሉእ ብምሉእ ከምዝወደቀት’ዩ ኣብ ቃላቱ ዝጠቅስ።
ብዘይካ ሓይሊ ኣየር ኢራን፡ ሓይሊ ባሕራ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ብምልኡ ኣብ ከርሲ ወሽመጥ ፋርስ ጥሒሉ’ዩ ዝበለ እቲ ዋና ጸሓፊ ኲናት፡ ሓይሊ ሚሳይላት ኢራን ውን፡ መዓልታዊ ይጽንቀቅ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ስጋኣት ኢራን ከምዘብቅዐ እዩ ዝምጉት።
ሓድሽ መራሒ ኢራን ሙጅታባ ኻመኒ ውን፡ ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ከምዝቖሰለ ወሲኩ ዝጠቀሰ ሄግሰት፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድዎ ዘለዉ ደብዳብ ብዝለዓለ መልክዑ ይቅጽል ምህላዉ’ዩ እቲ ኣመሪካዊ ብዓልስልጣን ኣፍሊጡ ዝርከብ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝተሓምሸሸት ነዳዲ እትጽዕን ወተሃደራዊት ነፋሪት ዝነበሩ ኣባላት፡ ብምልኦም ከምዝሞቱ ሰራዊት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብረርቲ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ኣባላት ናይታ ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት፡ በቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ከምዝተቐትሉ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ሬሳ ኣርባዕተ ኣብረርቲ ከምዝረከበን ዝተረፉ ክልተ ግን ኣሰሮም ከምዘይተረበ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እታ ነፋሪት ኣብ’ቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናተሳተፈት እንከላ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዒራቕ ወዲቓ ከምዝተሓምሸሸት ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ብተጻባኢ ወይ ናይ ወገን ግጭት ከምዘይተሓምሸሸት ዝገለጸ እቲ እዚ፡ ኣብ’ቲ ፍጻመ ዝተሳተፈት ካልእ ነፋሪት ብሰላም ክትዓልብ ከምዝኸኣለት’ዩ ወሲኹ ዝሕብር።
እታ ከይ-ሲ-135 ዝተባህለት ዓባይ ነፋሪት ንካልኦት ነፈርቲ ውግእ ኣብ ሰማይ እንከለዋ ነዳዲ ብምቕባል ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ሰማያት ክጸንሓ እተኽእል ኮይና፡ ጠንቂ ዘጋጠማ ሓደጋ እንታይ ምኳኑ ዛጊት ንጹር ከምዘይኮነ’ዩ ዝንገር።