ዳይረክተር ማእከል ሃገራዊ ጸረ-ሽበራ ዝኮነ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ኲናት ከምዘይድግፍ ብምግላጽ፡ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ።
እቲ ጆ ከንት ዝተባህለ በዓል ስልጣን፡ ብቅኑዕ ሕልና ነዚ ምስ ኢራን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ክድግፎ ኣይከኣልኩን ክብል፡ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ብገዛእ ፍቃዱ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ምህላዉ እዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ጆ ከንት ናብ ሓለቓኡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ስንብታ ደብዳበ፡ ኢራን ንሃገርና ህጹጽ ስግኣት ኣይኮነትን፡ እዚ ኲናት እዚ ከኣ ብጸቕጢ ሎቢታት ናይ እስራኤል ዝጀመርናዮ እዩ ክብል ቅሬቱኡ ዘቅረበ ኮይኑ፡ ምምሕዳር ተራምፕ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዘይተቀበሎ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ በዚ ምኽንያት ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ትራምፕ ንዝተዋህቦ ስልጣን ብፍቃዱ ከምዘረከበ እዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
እቲ ኣመሪካዊ ናይ ጸረ ሽበራ በዓል ስልጣን ኣብ ደብዳቤኡ፡ ነቲ ኣብ 2016፡ 2020፡ ከምኡ’ውን 2024 ዝጎስጎስካሉን፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣንካ ዝወሰንካዮ ክብርታትን፡ ክብሪ ፖሊሲታት ወጻኢን እየ ዝድግፍ ዝበለ ኮይኑ፡ ክሳብ ሰነ 2025፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝውላዕ ኲናት፡ ክቡር ህይወት ኣመሪካውያን ሓርበኛታት ዝጸንቀቐ፡ ሃብትን ብልጽግናን ሃገርና ዘኽስር ምዃኑ ኢኻ ትርዳእ ኔርካ ብምባል ንትራምፕ ድሕሪ ምክሳሱ፡ ሂወትን ሃብትን ሃገር ኣብ ዘዕኑ ኣብ ናይ ውክልና ኲናት ክሳተፍ ሕልናዊ ዕረፍቲ ከምዘይህቦ እዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ን11 ግዜ ኣብ ውግእ ዝተሳተፈን፡ በዓልቲቤቱ ኣብ ውግእ እስራኤል ዝከሰረ ገዲም ወተሃደር ምኳኑ ኣብ ደብዳቡኡ ዝጠቀሰ ጆ ከንት፡ ዝቕጽል ወለዶ ኣመሪካ፡ ንሃገሩ ኣብ ዘየርብሕ ናይ ውክልና ኲናት ተጸሚዱ ዋጋ ክኸፍልን መስዋእቲ ክኸውንን ፍቃደኛ ከምዘይኮነ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣመሪካ ምስ እስራኤል ብምኳን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝከፈተቶ ኲናት ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ሓያል ቁጥዐ ፈጢሩ ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቁጽሪ መስዋእቲ ዝከፈሉ ኣመሪካውያን እንዳወሰኸ ይመጽእ ምስ ምህላዉ ውን፡ ቁጥዐ ዜጋታት ኣመሪካ ሰማይ ይዓርግ ምህላው፡ ትራምፕ ውን ቡዙሕ ደገፍ ምክሳሩን እዩ ዝንገር።