እስራኤል ኣመሪካን፡ ብዕለት 28 ለካቲት 2026 ኣብ ልዕሊ ኢራን ኲናት ድሐኢ ምውልዐን፡ ኢራን ንመጻብብ ሆርሙዝ ዓጽያቶ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ባሕረኛታት ውን ኣካል ናይቲ ዕጽዋ ብምኳን ኣብ ማእከል ባሕሪ ተዓጽዮም ምህላዎም፡ ፕረዚደንት ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ኣብ ወጻኢ፡ ምስ ማዕከን ሓበሬታ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ገሊጹ።
ፕረዚደንት ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ኣንተንዮ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ መዓልታዊ ልዕሊ 130 መራኽብ ዘአንግድ ዝነበረ ወሽመጥ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 18 መዓልታት 105 መራኽብ ከምዘአንገደ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እዚ ምስ ምዕጻው መጻብብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንብዙሓት ሃገራት ጽልዩ ምህላው ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኤርትራውያን ባሕረኛታት ውን ኣካል ናይቲ ሳዕቤን ብምኳን ኣብ ባሕሪ ተዓጊቶም ምህላዎም እዩ ዝንገር።፡
ኲናት ካብ ዝጀመረሉ መዓልቲ ክሳብ ሎሚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ሳምነታት ጥራሕ ልዕሊ 2000 መራኽብ በቲ ወሽመጥ ክሓልፋ ይግባእ ምንባሩ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ኢራን ንምንቅስቃስ እተን መራኽብ ዝገትእ ውሳነ ምብሃባ፡ እቲ ኲነታት ኣሸጋሪ ጌሩዎ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ድሕሪ ምዕጻው መትረብ ሆርሙዝ፡ ዋጋ ነዳዲ ካብ 67 ዶላር ናብ 100 ዶላር ተጸጊዑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ 2011 ብተመሳሳሊ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊኣ ንዝወረደ እገዳ ንምሃብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምዕጽው መትረብ ሆርሙዝ፡ ውጋ ነዳዲ ናብ ልዕሊ 80 ዶላር ንበርሚል ክዓቢ ጌርዎ ምንባሩ ኣይርሳዕን።