ኢራን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብሪጣንያ ዝኮነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከይትፍጽም ብሪጣንያ ከምዘጠንቀቐት ተገሊጹ።
ጸሓፊት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዪቨት ኩፐር ምስ ኢራናዊ መዘናኣ ብተለፎን ድሕሪ ምዝርራባ፡ ነቲ ካብ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝቀረበ መጠንቀቕታ ከምዘቅረበት ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ዓባይ ብሪጣንያ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ፡ ብሪጣንያ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምእትግደድ እዩ ዘጠንቅቕ።
ብሪጣንያ፡ ኣብ “ምክልኻል” ዝተዋፈራ ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካ፡ ወተሃደራዊ መዓስከራታ ክጥቀማሉ ድሕሪ ምፍቃዳ፡ ካብ ኢራን ተቓውሞ ገጢምዋ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ እቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ “ኣብ ወራር ምስታፍ” ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሃገሩ ኢራን ግብረመልሲ ክትህብ ከምዝኽእል ኣሚቱ ምንባሩ ውን ዝፍለጥ እዩ።
ጸሓፊት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዪቨት ኩፐር ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ዓባይ ብሪጣንያ መዓስከራታ ንበረራታት ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ምፍቃዳ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሓዙታ ዝኾና ሃገራት ወሽመጥ ዝፍጸም ዘሎ “ተጻብኦ ኢራን” ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ እትምጉት ኮይና፡ ስጉምቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝቀንዐ ቀጥታዊ ትርጉም ከምዘይብሉ እያ ተረድእ።
ኣብ’ዚ ኣጋጣሚ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ተካይዶ ዘላ መጥቃዕትታት ደው ከተብል ዝጠለበት ጸሓፊት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዪቨት ኩፐር፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝነበረ ናጽነት መጓዓዝያ ባሕሪ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለስ’ውን፡ ድላይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምኳኑ ብምግላጽ’ያ ጻውዒታ ኣቅሪባ ትርከብ።