እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝፈተና ሰለስተ ናይ ጽዕነት መራኽብ ክምለሳ ከዘገደደን፡ ነቲ መጻብቦ ከምዝዓጸወን ኣፍሊጡ።
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ትማሊ ንግሆ ዝወጽኦ መግለጺ፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኮንተይነራት ዝጸዓና ሰለስተ መራኽብ፡ በቲ ዝተፈቐደለን መራኽብ ዝሓልፋሉ ፍሉይ መስመር ክሓልፋ ከምዝፈተናን፡ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ሓለዋ ሰውራ ድሕሪ ዝተወሃበን መጠንቀቕታ ግን ንድሕሪት ከምዝተመልሳን ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ቀጥታ ምስ ቃላት ዶናልድ ትራምፕ ከምዝተኣሳሰር እዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጽው ምዃኑን፡ ዝዀነት መርከብ ክትሓልፍ እንተፈቲና ውን፡ ሓያል ግበረ መልሲ ክጽበያ ከምዝኮነን ዘጠንቀቐ ኮይኑ፡ እቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ቁጠባ ዓለም ናብ ቀውሲ ከየእትዎ ስጋኣት ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ንመንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብ ቻይና፡ ሩስያ፡ ፓኪስታን፡ ዒራቕን ህንድን ዝመጻ መራኽብ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ሕቶ ከምዘቕረባ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ብዓይኒ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ዕጹው እኳ እንተዘይኮነ፡ ንጸላእትና ግን ዕጽው’ዩ ብምባል፡ ኢራን ገደብ ምንቅስቃስ መራኽብ ኣንቢራ ምህላዋ ‘ዩ ዘረድእ።
ምስ’ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ኣብ ኢራን ከተማ ቆም ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ፡ ኣብ ከባቢ ፓርዲሳን ከምዘጋጠመ ብእስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ዝድገፍ ማዕከን ዜና ፋርስን ታስኒምን ዝጸብጸበ ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ሽድሽተ እኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግን ብዕጽፍታት ከምዝዓበየ እዩ ዝገልጽ።
ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ኢራን፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ’ቲ ቦታ ከምዝተዋፈሩን፡ ሂወት ኣብ ምድሓን ይዓዩ ምህላዎምን ዝሓበረ ኮይኑ፡ ቁጽሪ ግዳያት ኽውስኽ ከምዝኽእል ውን’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።