ቅዋም: ሓጋጊ: ፈጻሚ ፍርዳውን ኣካላት ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከምነውርን ጽያፍን ዝሕሰብ ዝነበረ ጉቦ: ጥልመት: ንዓይ ይጥዓመንን ምጭኽኻንን ንኽብርታት ሕብረተሰብ ዘዳኽሙ ኣሉታዊ ተርእዮታት ይስዕርር ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓቢሮም።
ጉጅለ ህግደፍ: ነቲ ብሕጊ እንዳባ ዝፍለጥ ንነዊሕ ዘበናት ህዝብና ኣብ ዕለታዊ ህይወቱ ዘጋጥሞ ጸገማት ንምፍታሕ ዝማሓደረሉን ዝዳነየሉን ዝነበረ ክብርታትን ስልጡን ባህልን ብምፍራስ: ንፖለቲካዊ ዕላማታት ዘገልግሉ ናይ ስለያ ምምሕዳር ዓድን ከባብን ተኪእዎ ኢዩ።
ኣብ መንጎ ስድራቤት: ቤት ዘመድ: ጎሮባብትን ጎዶቦታትን ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብሽምግልናን ብዕርቕን ንምፍታሕን ንምድቃስን ዓቢ እጃም ዝነበሮም ዓበይቲ ዓዲ: መራሕቲ ሃይማኖትን ወራዙትን: ጉጅለ ህግደፍ ብፍላጥ ስለዘዳኸሞም: ንናእሽቱ ጉዳያት ኣብ ፍትሒ ዘይብሉ ስማዊ ቤት ፍርዲ ኮለል ምባል ገንዘብካን ግዜኻን ምብኻን: ኣብ ዘይተደልየ ህልኽን ጽልእን ምእታው ቦታ ምርካቡ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝንን ንእወታዊ ባህሊ ሕብረተሰብና ዝብሕጉጉን ኢዩ።
ከም ሳዕቤኑ: ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ይዕበ ይንኣስ ጉዳያት ብቃሕታ እቲ ኣብ ዓዲ ሃሎ ሓኪሉ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ስለዝውሰንን ህዝባዊ ሕጊ ስለዘየለን: ጉዳያትካ ንምስላጥ ፈላጢ በዓል ስልጣን ምንዳይን ጉቦ ምሃብን ማዕቢሉን ድኻን ሓቂ ዝሓዘን ወገን ይብደልን ምህላዉ ህዝቢ የማርር ኣሎ።
ካብ ጨቋኒ ምሕደራን ገደብ ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ጉጅለ ህግደፍ ንምምላጥን: ኣብ ወጻኢ ንምሕካም: ንምምሃር ውልቃዊ ጉዳይ ንምስላጥ: ፍቃድ ንምርካብን ንምሕዳስን ትካልካን ቤትካን ንምጽጋንን ካልእ ተራ ግቡኣት ንምፍጻምን: መወዳእታ ዘይብሉ ምምልላስን ዓቕሚ እንተረኺብካ ብላዕ ምሃብን ልሙድ ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ናብ ኤሪፒኤም ዝተላእኩ ምንጪታት ገሊጾም።
እቲ ንገዛእ ርእሱ ብሕጊ ዘይምእዘዝ ጉጅለ ህግደፍ: ስግረዶብ ክትኸዱ ሓሲብኩም: ደቕኹም ኣህዲምኩም: ሕግታት ምምሕዳር ጥሒስኩም: መዓልትኹም ኣሕሊፍኩም: ገረብ ቆሪጽኩም: ገዛ ለሚጽኩም ብዝብሉ መወዳእታ ዘይብሎም ምኽንያታት ብምፍጣር: ኣሽሓት ገንዘብ ምቕጻዕ: ኣብያተ ሸቀጥ ምዕሻግን ምህጋርን ሰባት ምእሳርን ካብቶም ንህዝብና ዘዳኹሙን ዝጭቁኑን ዘለው እከይ ተግባራት ኢዮም ።