ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካን ኢራንን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ክልቲኣዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ንምፍራም ስምምዕ ከምዝገበራን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ክፍጸም ተሓሲቡ ዝነበረ መጥቃዕቲ ከምዝተሰረዘን ትማሊ ለይቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኢራን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ጸጥታዊ ውሕስነት ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብህጹጽ ክትከፍቶ ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዓ ዝበለ ትራምፕ፡ ብወገን ኢራን ዝቐረቡ 10 ናይ ቅድመ ኩነት ነጥብታት፡ ናብ ስምምዕ ከብጽሑ ዝኽእሉ ምዃኖምን፡ ኣብ ዝመጹ ክልተ ሰሙናት ውን ምሉእ ብምሉእ ናብ ስምምዕ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ’ዩ ትራምፕ ወሲኹ ዝገልጽ።
እስራኤል ብወገና በቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዖም ምቁራጽ ተጻቦኦ ከምዝተሰማምዐት ማዕከን ሓበሬታ ሲኤንኤን (CNN) ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ብማእከልነት ፓኪስታን እንዳተመርሐ ክካየድ ዝቀነየ ዘተ ምቁራጽ ተጻቦኦ፡ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሳምንታት ምሉእ ስምምዕ ክፈጥር’ዩ ዝብል እምነት ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝእመን።
ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኢራን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ነቲ ኢራን ዘቅረበቶ 10 ነጥብታት ተቀቢላ ናብ ዘተ ንምእታው ፍቃደኛ ምኳና ዝገለጸ ኮይኑ፡
በዚ መሰረት…
1. ንሓዋሩ ካብ ኲናት ንምውጋድ ቃል ምእታው
2. ምቕባል ቁጽጽር ኢራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ
3. ኢራን ዩራንየም ናይ ምህብታም መሰል ምቕባል።
4. ምስራዝ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ እገዳታት ኢራን
5. ምድስካል ኩሎም ውሳኔታት ባይቶ ጸጥታን ቦርድ IAEAን
6. ካሕሳ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንዝበጽሐ ዕንወት
7. ምስሓብ ሓይልታት ኣመሪካ ካብ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ
8. ኣብ ኩሉ ግንባራት ተጻብኦታት ምቁራጽ ዝብል ነጥብታት ዘቀመጠ ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።፡
ብመሰረት ስምምዕ ክልቲኤን ሃገራት ኢራን ንዝቅጽል ክልተ ሳምንታት ንመጻብቦ ሆርሙዝ ክትኸፍቶ ምኳና ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ኣብ ምርግጋእ ቁጠባ ዓለም ቀሊል ዘይበሃል ተራ ክህልዎ ከምዝኮነ’ዩ ዝእመን።