ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ተበጺሑ ንዘሎ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ እንተዘይተማእዚዛ፡ ካብ ዝኾነ ወዲ ሰብ ካብ ዝረኣዮ ንላዕሊ ዝዓበየን ዝኸበደን መጥቃዕቲ ክበጽሓ ምዃኑ፡ ብመንገዲ ውልቃዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትሩዝ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣጠንቂቑ።
እቲ ፕረዚደንት ውልቃዊ ዋንነቱ ኣብ ዝኮነ ትሩዝ ኣብ ዘቀመጦ ጽሑፍ፡ እቲ ዝስዕብ መጥቃዕቲ ዝኾነ ሰብ ካብ ዝረኣዮ መጥቃዕቲ ንላዕሊ ዝዓበየን ዝኸበደን ክኸውን’ዩ ክብል ዘጠንቀቀ ኮይኑ፡ ቃላት እቲ ፕረዚደንት ነቲ ተስፋ ዝሃበ ኩነታት ምቁራጽ ተጻቦኦ ተወሳኪ ዕንቅፋት ክኾኖ ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።
ትራምፕ ወሲኹ፡ ኩለን መራኽብ፡ ነፈርቲን ውግእን ኣጋር ሰራዊት ኣመሪካን፡ ንተወሳኪ ስርሒት ድሉው ምህላዉ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ንክልተ ሳምንታት ዝጸንሕ ናይ ምቁራጽ ተጻቦኦ ስምምዓት እንተዘይተተግቢሩ፡ ናብ ቀጥታዊ ስጉምቲ ካኣቱ ምኳኑ’ዩ ዝእምት።
ትማሊ ረቡዕ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ድሕሪ ምክያዳ፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ከምዝዓጸወቶ ኣይርሳዕን።
ብዘይካ’ዚ ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ስምምዕ ተግባራዊ ንምግባሩ ክሳብ ዘይተቐረበት፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ’ቲ ዞባ ክወጽእ ኣይኮነን ዝበለ ኮይኑ፡ ኢራን ነቲ ናይ ክልተ ሳምንታት ስምምዕ እንተዘይተማእዚዛ፡ ክትጻወሮ ዘይትኽእል መጥቃዕቲ ከምዝወርዳ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።