ብሓይሊ ኣፈሙዝ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምርጋጽ ዝርከብ ውልቀምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ኣብ ከባቢ ዶባት ብዝከፈቶ ናይ ቶክሲ መጥቃዕቲ፡ ሃገር ገዲፎም ክስደዱ ኣብ ልዕሊ ዝሓሰቡ ስደተኛታት ሰለስተ ዜጋታት ጉዳኣት ከምዘውረደን፡ ካባኣቶም እቶም ክልተ ንእለት ሂወቶም ከምዝሓለፈን ምንጭታትና ገሊጾም።
እቶም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ተኣኻኪቦም ብመስመር ታብር መረብ ኣቢሎም ናብ ትግራይ ዝነቐሉ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቁጽሪ 13 ምንባሮም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብ መሬት ትግራይ፡ በረኻታት ምፍታሕ፡ ኣንፈት ዊዳኽ ምስ በጽሑ፡ ተኲስ ዝብል ቀጢን ትእዛዝ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምትግባር ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት፡ ንገለ ገለ ተሓጋገዝቶም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብ ገበንን ሃድንን ሂወት ዜጋታትና ከምዝሳተፉ ብምግባር ብዝከፈትዎ ቶክሲ፡ ሰልስተ መንእሰያት ከምዘውደቁን ካባኣቶም ብዘይካ’ቲ ብመቁሰልቲ ዝደሓነ ሓደ መንእሰይ፡ ክልተ ንእለት ሂወቶም ከምዝሓለፈ’ዮም ዝገልጹ።
እቲ ፍጻመ ሰሉስ 12 ግንቦት 2026 ዝተፈጸመ ኣሰቃቂ ናይ ቅትለት ገበን ምንባሩ ዝጠቀሱ ምንጭታት ኤሪፒኤም፡ ድሕሪ’ቲ ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ ተወጊኡ ንዝተረፈ ሓደ መንእሰይን ካልኦት 9 ዝተታሕዙ ሰገርትን ብምሓዝ፡ ናብ ኤርትራ ከምዝመለስዎምን፡ ሓደ ከም ሓሙስ ብምኳን ካብ’ቲ ሓደጋ ዝወጸ መንእሰይ ውን ናብ ትግራይ ሰጊሩ ምህላዉ’ዮም፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ንዝርከበዎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ወሲኾም ዝገልጹ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንመዓልቲ ሉኡላውነት ኤርትራ ምክንያት ብምግባር፡ ኣብ መግለጺታቱ፡ ዘመተ ናይ ሚዲያ መሓዉራቱን ሚድያታቱን፡ ኤርትራ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ዕብየት ትሰግር ምህላዋ ከሪኢ ወላ ዳኣ ይፈትን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ህዝብና፡ ብስክፍታን ሽቁረራን ውግእን ወረ ውግእን፡ ከምኡ’ውን ዕረፍቲ ብዘይህብ ግፋን ኣልማማ ማእሰርትን ሕሱም ሂወት የሕልፍ ምህላዉ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።
ንህዝቢ ኤርትራ ከም ደመኛ ጸላኢኡ ዝዕዘቦ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መሰመራት ኤርትራ፡ ህዝቢ ዘንከላብት ጻዕቂ ኬላታትን ብምዝርጋሕ፡ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ዜጋታታና ኣብ ምርባሽን፡ ሂወት ህዝብና ኣብ ምክባድን ምህላዉ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ካብ ዝሓለፈ እዋናት ብዝተፈልየ፡ ሃገር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምክትታልን ሃድንን ከምትህሉ ብምግባር፡ መንእሰይ ማእከል ዝገበረ፡ ግፍዕታቱ ክቅጽል ምጽንሑን፡ ሃገር ኣብ ከቢድ ስጋኣት ክትህሉ ጌሩ ምህላዉን እዮም ዝገልጹ።
ህዝቢ ኤርትራ ሓደ መዓልቲ ክለዓል ይክእል እዩ ኣብ ዝብል ፍርሕን ስጋኣትን ዝነብር ጉጅለ ህግደፍ፡ ሃለዋት ህዝብና ካብ ዝከፈአ ናብ ዝበኣሰ ክበጽሕ ጌሩ ምህላዉ ኣብ መልእክቶም ዝጠቀሱ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ እቲ ብስም ጽምዶን ምልዓል እገዳን ክስራሕ ዝተደልየ ናይ ምትላል ፖለቲካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክምስጦ ሰሪ ዘይምካኣሉን፡ ስደት ዜጋታት ብዕጽፊ ብምብርካቱን፡ ህግደፍ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ብዕጽፊ ከራብሕ ይድርኾ ምህላው እዮም ዝገልጹ።