ንዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ብዘይ ዝኮነ ክስን ፍርድን ንዓመታት ኣብ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ሓይሩ ኣብ ምስቃይ ዝርለብ ጉጅለ ህግደፍ፡ “ኣገልግሎት ማእሰርትን ተሃድሶን” ብዝብል ስም፡ ቀይድዎም ንዘሎ ኤርትራውያን መንእሰያት ናይ 8ይ ክፍሊ መርመራ ከምዝህብ ገሊጹ።
ብሰንኪ ገስረጥ ምሕደራን ጣልቃ ምእታውን ጉጅለ ህግደፍ፡ ብቅዓትን ደረጃን ተዳኺሙን ናብ ወተሃደራዊ ትካል ተቀይሩን ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዓመተ 2025/2026’ውን ከም ኣመሉ ሃገራዊ መርመራ ናይ 8ይ ክፍሊ ከምዝውሃብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣፍሊጡ።
ጨንፈር ምዘናን ሃገራዊ መርመራን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብ29 ግንቦት 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ናይ 8ይ ክፍሊ ሃገራዊ መርመራ፡ ካብ 3 ክሳብ 5 ሰነ 2026 ኣብ ውሽጢ ሃገርን ሱዳንን ስዑድያን ከምዝካየድን ልዕሊ 68 ሽሕ ተማሃሮ ከምዝፍተኑን ሓቢሩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ትሕት ዕድመ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ቆልዓ ሰበይትን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ኣብ ዝተነጸለ ቦታን ብዘይ መባእታዊ መሳለጥያን መሰልን ሓይሩ እንከሎ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ መርመራ 8ይ ክፍሊ ከምዝወሃብ ምሕባሩ፡ ካብ ምትላልን ተኹላ እንከለኻ ቆርበት በጊዕ ተኸዲንካ ምቅራብን ካልእ ትርጉም የብሉን።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ንዓመታት ኣብ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ተኣጒሮም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣሽምባይዶ ዕድላት ትምህርቲ ክረኽቡ፡ እቲ መባእታዊ መሰላት ዝተነፍጎምን ብርሃን ጸሓይ ክሪኡን ዘይፍቀደሎም፡ ካብ ህሉዋት ንታሕቲ ካብ ምዉታት ንላዕሊ ሓለት ዘለዎም ኢዮም።
ጉጅለ ህግደፍ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ፡ ብጥሜትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን እናኣሳቀዮ፡ ኣብ ትሕቲኡ ንዘለዉ ሕዩራት ዕድላት ትምህርቲ ክፈጥረሎም ዘይሕሰብን ንፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳን ንእከይ ተግባራትካ ክትሓብእ ምፍታንን ኢዩ።
መግለጺ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብተወሳኺ፡ እቲ ናይ 8ይ ክፍሊ ሃገራዊ መርመራ ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ውን ከምዘጠቃልል ኣመልኪቱ ኣሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ድማ፡ መንእሰያት ኣብ ዕድሚኦም ዕድላት ትምህርቲ ከቋርጹ ተቀሲቦም ኣብ ግዱድ ውትህድርናን ጉልበት ስራሕን ተቆሪኖም ከምዘለዉ ዘነጽርን ዘቃልዕን ኢዩ።
ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ፡ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ዝበለጸ ከምዝኾነን ብናጻ ከምዝወሃብን ይሓብሩ እምበር ብተግባር ግን ብሰንኪ ሓንኳልን ደቋስን ሜላታትን ፖሊሲታትን ጉጅለ ህግደፍ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ገሊጹ ኢዩ።
ብቃላት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት 12 ክፍሊ ዝወድኡ ተማሃሮ፡ መሕለፊ ነጥቢ ኣይረኸብኩምን ተባሂሎም 85 ሚእታዊት ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ከምዘይቅጽሉን ዘርሚ ዘርሞ ከምዝተርፉን ግዳም ሓደር ከምዝኾኑን ኣፍሊጡ ኢዩ።
ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ዝበዝሑ መንእሰያት፡ ትምህርቶም ተሰናኺሎም ኣብ ውትህድርና ይጽመዱን ኣብ ኩናት ይሃልቁን ወይ ናብ ስደት የምርሑ።