መንግስቲ ፌደራል ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ኣንቢሩዎ ኣሎ እገዳ ቀረባት፡ ዜጋታት ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው የጋጥሞም ከም ዘሎ፡ ሰብ መዚ ክልል ትግራይ ገሊጾም።
እቲ ብ3 ሰነ 2026 ዝወጸን፡ ብማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ ዝተገልጸን ደብዳበ፡ መራሕቲ እቲ ክልል ብሰንኪ ማሕንቆ መንግስቲ ፈደራል፡ ህዝቢ ትግኣይ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቀውሲ ወዲቑ ምህላዉ ምግላጾም ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ኣቓልቦ ክገብረሉን፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ትግራይ ፈጢርዎ ዘሎ ማሕንቆ ከልዕሎን ተማሕጺኖም።
እቲ “ናብ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኻትን ዓለምለኻዊ መሻርኽትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጽአ ጽሑፍ፡ ወግዓዊ ማሕተም እኳ እንተዘይሃለዎ፡ ወሃቢ ቃል ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት ዝኮነ ኣቶ ሚኪኤለ ኣስገዶም ግን፡ እቲ ጽሑፍ ብህወሓት ዝወጽአ ምዃኑ’ዩ ንቢቢሲ ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ኣብ’ዚ እዋን ኣብቲ ክልል ከቢድ ቁጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ከም ዘጋጠመ ብምሕባር፡ ብፍላይ ቀረብ ነዳዲ ብምቁራጹ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት ከም ዝተሰናኸሉን፡ ምኽባር ዋጋታት ከም ዝተኸሰተን’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ደብዳበ ኣስዒቡ፡ ክልል ትግራይ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ወዲቑ ከም ዝርከብ ብምጥቃስ፡ ዘጋጠመ ቅልውላዋት ንምፍታሕ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝመርሖ ተኣማኒ ፖለቲካዊ መስርሕ ክንሳተፍ ድሉዋት ኢና ብምባል፡ ኽልቲኦም ወገናት ናብ ዝርርብ ክመጹ ዝዓደመ ኮይኑ፡ እቲ ኵነታት ተኣማኒ ፖለቲካዊ ልዝብ ዝጠልብ ምኳኑ ውን እዩ ኣስሚርሉ ዝርከብ።
መልእኽቲ ህወሓት፡ ንመንግስቲ ፌደራል ብምጥሓስ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ እቲ ነዚ ውዕላት ከፍጽም ዝቆመ ትካል ውን ብዓቢኡ፡ ወዲቑ እዩ ኢሉ ብምንቃፍ፡ ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ክዋሳእ እዩ ዝጽውዕ።
ህወሓት፡ ኣቐዲሙ ስምምዕ ፕሪቶርያ ፈሪሱ’ዩ ዝብል መርገጺኡ፡ ብወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተፍለጠ፡ መንግስቲ ፌደራል ግን ባኣንጻሩ፡ ንመርገጺ ህወሓት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብወግዒ ርእይቶ ኣይሃበን።