ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ካብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ጋምቤላን ተጠርኒፉ ናይ ዝበጽሖ 24 ውጺኢት ምርጫ ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ኮይኑ፡ ሰልፊ ብልጽግና ካብ ምርጫ ክልላት ንዝረኸቦ ውጽኢት መሰረት ብምግባር፡ 12 ወናብር ምኽሪ ቤትን፡ 11 ወናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝብታትን ከምዝተዓወተ ኣፍሊጡ።
ገዛኢ ውድብ ብልጽግና፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ 8 ወናብር ክልላዊ ቤት ምኽርን፡ 11 ወናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝብታትን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ 2 ወንበር ክልላዊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ 1 መንበር ክልላዊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ክልል ጋምቤላ ከኣ፡ 1 ወንበር ክልላዊ ቤት ምኽሪ ረኺቡ ምህላዉ ዝገለጸ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ሰልፊ ብልጽግና ብገፊሕ ድምጺ ይቅልስ ምህላዉ እዩ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቅስ።
ብኻልእ ወገን፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ 1 ወንበር ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ከምዝተዓወተ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ናይ ምርጫ መድረኽ ምስ ብልጽግና ዝተወዳደሩ ውድባት፡ ዝጥቀስ ውጺኢት ከምዘይረኸቡ’ዩ ኣብ ጸብጻቡ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ተወሳኪ ውጺኢት ምርጫ፡ ብተመሳሳሊ መንገድን፡ ዝኽተሎ መምርሕን ናብ ህዝቢ ክዝርግሖ ምዃኑ’ዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ሎሚ ንመበል 7ይ ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ሰልፊ ብልጽግና ዝተካየደ፡ ሓቀኛ ድምጺ ህዝቢ መሰረት ዘይገበረ ምርጫ እዩ ተባሂሉ ዝኽሰስ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ድሮ ምዕዋቱ ኣረጋጊጹ ዝርከብ ሰልፊ ብልጽግና፡ ካብ ዓለምለካውያን ትካላትን ማሕበራትን መንግስታዊ ኣፍልጦ ክረክብ ዘክእሎ ብምኳኑ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዝቅጽል ሓሙሽተ ዓመታት ከም ማእከላይ መንግስቲ ሕጋውነት ንኽለብስ ክሕግዞ ከምዝኮነ እዩ ዝእምን።