ሓንቲ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ገማግም ዖማን ወዲቓ ከምዝተሓምሸሸት ተገሊጹ።
እታ ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝወደቐት ሄሊኮፕተር፡ ምሉእ ብምሉእ ተሓምሺሻ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ከምዝኮነት ዝጠቀሰ ሓበሬታ CBS፡ ይኹን እምበር ኣብታ ሄሊኮፕተር ዝነበሩ ክልተ ኣብረርቲ፡ ብህይወት ከምዝደሓኑ’ዩ ንቃላት ሰብመዚ ኣመሪካ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ ዝርከብ።
ንምውዳቅ እታ ሂሊኮፕተር ኣመልኪቱ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ (ሰንትኮም) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሄሊኮፕተር ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት ዝግመት ግዜ ድሕኖም፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ጸቡቕ ኩነታት ምህላዎም ዝገለጸ ኮይኑ፡ እታ ኣፓቸ AH-64 ተባሂላ ትጽዋዕ ሄሊኮፕተር፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዖማን ንሓለዋ ዞባዊ ማያት ተዋፊራ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ወዲቓ ከምዝተሓምሸሸት እዩ ዝገልጽ።
ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ (ሰንትኮም) ኣብ መግለጺኡ፡ ጠንቂ ምውዳቓ እታ ሄሊኮፕተር ዛጊት ንጹር ከምዘይኮነ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ንጹር ምኽንያት ሓደጋ ምሕምሻሽ እታ ሄሊኮፕተር ንምርግጋጽ፡ ምርመራ ይካየድ ከምዘሎ’ዩ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቅስ።
ድሕሪ ምሕምሻሽ እታ ሄሊኮፕተር፡ ኣብ ውሽጣ ንዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካ ንምድሓን፡ ኣባላት ፍሉይ ስርሒት ሓይሊ ባሕሪ ናይቲ እዚን፡ መበል 82 ኣየር-ወለድ ክፍለሰራዊትን፡ ኣብ ፍሉይ ስርሒት ምድሓን ዜጋታት ከምዝተሳተፉ ዝጠቀሰ መግለጺ ሰንትኮም፡ ዝኮነ ኣባል ሰራዊት ከይተጎደአ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ውን’ዩ ጠቂሱ ዝርከብ።
ብመሰረት ድሒሩ ዝወጸ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሆርሙዝ ተወቒዓ ዝወደቐት ሄሊኮፕተር ሰራዊት ኣመሪካ ብኢራን ከምዝተሃርመት ዝገለጸ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ክትወስድ ምኳና ገሊጹ።
እታ ሄሊኮፕተር ትማሊ ምሸት ብሓይልታት ኢራን ተሃሪማ ከምዝወደቐት ዝጠቐሰ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ግብረመልሲ ክትህብ ክትግደድ ምዃኑ’ዩ ኣብ መግለጺኡ ዘጠንቅቕ።
“ብዓቢ ሓይሊ ሰራዊትና ከምዝተሓበረኒ፡ ትማሊ ለይቲ ኢራናውያን ንሓንቲ ካብ ምዕቡላት ኣፓቸ ሄሊኮፕተራትና፡ ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ንሓለዋ ተዋፊራ እንከላ, ሃሪሞም ኣውዲቖማ ኣለዉ ዝበለ ትራምፕ፡ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘቀመጦ ጽሑፍ፡ ኣመሪካ ግብረመልሲ ክትህብ ክትግደድ ምኳና’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ቁሩብ ሰዓታት ቅድሚ መግለጺ ትራምፕ፡ ኣብ ኤክስ ጽሑፍ ዘቐመጠ ላዕለዋይ ኢራናዊ ተዛታዩ መሓመድ ባቐር ካሊባፍ፡ ቋንቋ ዲፕሎማሲ ኢና ንመርጽ፡ እንተኾነ ግና ብካልእ ቋንቋታት’ውን ብንጹር ክንዛረብ ንክእል ኢና ብምባል፡ ኢራን ካብ ዘተ ወጻኢ ስጉምቲ ንምውሳድ ዓቅሚ ከምዘለዋ ገሊጹ ምንባሩ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ኣብ ቃላቱ፡ ንስኩም መብጻዓኹም ጥለሙ፡ ንሕና ከኣ ናብቲ ኣጸቢቕና ንመልኮ ቋንቋ ክንሰግር ኢና ክብል፡ ቅሉዕ መጠንቀቅታ ምቅማጡ፡ ጽሑፍ እቲ ተዛታዪ በዓል መዚ ኢራን፡ ኢራን ናብ መጥቃዕቲ ተሰጋጊራ ክትከውን ከምእትክእል’ዩ ዝእምት።
ድሕሪ ምሕምሻሽ እታ ሄሊኮፕተር፡ ንፈለማ እዋን ብማያዊት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (ሲ ድሮን)፡ ዕዉት ስርሒት ምድሓን ሂወት ኣባላት ሰራዊት ከምዝተፈጸመ ዝጠቀሰ ትራምፕ፡ ሃገሩ ነቲ ኢራን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ግቡእ ግብረመልሲ ክትህበሉ ናብ ዘገድድ ስጉምቲ ክታኣቱ ምኳና’ዩ ዝጠቅስ።