ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ከተማታት ቺካጎን ሚሊዋኪን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ክሳብ ዝነግስን፡ ባርባራዊ ግፍዒ ህግደፍ ደው ክሳብ ዝብልን፡ ቃልሶም ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጾም።
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ከተማታት ቺካጎን ሚሊዋኪን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ተወጊዱ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ክሳብ ዝነግስን ህዝቢ ኤርትራ ጩራ ሓርነት ክሳብ ዘስተማቕር ፡ ዝጀመርዎ ቃልሲ ደው ክብል ከምዘይኮነ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝብሰርን፡ ቃልሲ ኣንጻር ዓመጽ ንምዕዋት፡ ብዘይ ምሕላል ክዋስኡ ምዃኖም’ዮም ኣረጋጊጾም ዝርከቡ።
ደለይቲ ፍትሒ ከተማታት ቺካጎን ሚሊዋክን ነዚ ዝገለጹ፡ ኣብቲ ብቀዳም 11 ሓምለ 2026 ኣብ ዘካይድዎ ገምጋም ቃልሲ ኮይኑ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልስን ኩነታቱን ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋሞም፡ ተንኮላት ጉጅለ ህግደፍ ንምምካትን ናይ ምልኪ ዓመታት ንምሕጻርን ዝገብርዎ ኣበርክቶ ንምዕባይ፡ ብዘይምሕላል ቃልሶም ክቕጽሉ ቃል ምእታዎም’ዩ፡ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ብሰንኪ ስእነት ልዕልና ሕጊ፡ ኣደዳ ድኽነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ኮይኑ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስቕታ ዝሓልፈሉን ንጉጅለ ህግደፍ ትድግፈሉን ብቑዕ ምኽንያት ከምዘየለን፡ ቅኑዕ ውን ከምዘይኮነ ዝጠቐሱ እቶም ተቓለስቲ ፡ ኣብቲ ብዕምቆት ዝተኻየደ ገምጋማዊ ዘተ፡ ምእንቲ ፍትሒ እጃምካ ምብርካት ሓላል ምዃኑን፡ ኣብ ምድሓን ኤርትራን ህዝባን ዝህልዎ ተራ ውን ቀሊል ከምዘይከውንን’ዮም ዝገልጹ።
ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተላእከልና ሓበሬታ፥ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገርና ምንባር ከልኪሉና
ከይኣክል፥ ኣብ ስደት ሰላማዊ ህይወትና ክዘርገልና ዕድል ክወሃቦ ከምዘይብሉን ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝጭቆን ዘሎ ህዝብና ክንጣበቕን ከምዝግባእ ኣስሚሮሙሉ።
እቶም ደለይቲ ፍትሒ ብተውሳኺ፥ ንሓቀኛ መንነትን ክብርታትን ዘንጸባርቕ፥ ሓድነት ዘደልድልን ወኒ ቃልሲ ዝድርዕን መደባት ክድፍኣሉን ኣብ ስደት ዘሎ ዕድላት ብግቡእ ምጥቃም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ኣብ መዛዘሚ ተሳተፍቲ፥ ሕሰም ህዝብናን ስደትን ከብቕዕ ተወፋይነት፥ ጽንዓት፣ ተስፋ ዘይምቑራጽ፥ ሓድነትን ንቕሓትን ምውዳብን ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።