ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2025፥ 2026 ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ዝተሳተፉ ተምሃሮ ፥ ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ተሪፎም።
ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2025፡ 2026 ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካብ ዝተኻፈሉ ተማሃሮ ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ትምህርቶም ክቕጽሉ ዘኽእሎም ውጽኢት ከምዘይረኸቡ ተሓቢሩ። እቲ ብ12 ሓምለ 2026 ብወግዒ ዝተገልጸ ውጽኢት መርመራ ካልኣይ ደረጃ:ካብቶም መልቐቂ ፈተና ዝወሰዱ 21,561 ተማሃሮ፥ 4,831 ጥራይ ንዲግርን ንዲፕሎማን ክቕጽሉ መሕለፊ ነጥቢ ረኺቦም ኣለዉ።
ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ሓላፊት ማእከል ፈተና ዶክተር ብስራት ገብሩ ከምዝገለጸቶ፥ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ ማለት ማትሪክ 2025 /2026፥ 77.6 ሚእታዊት ትምህርቶም ንምቕጻል መሕለፊ ነጥቢ ከምዘይረኸቡ ትእመን እምበር፥ ስለምንታይ እኹል መእተዊ ነጥቢ ኣይረኸቡን መጻኢ ዕድሎም’ከ እንታይ ክኸውን ኢዩ ግን ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበትን።
ዶክተር ብስራት ብተወሳኺ ካብቶም ክፍተኑ ዝተመዝገቡ ተማሃሮ 242 ተማሃሮ መልቀቒ ፈተና ከምዘይወሰዱ ጠቒሳ’ኳ እንተኾነት እቲ ምኽንያት ግን ኣይሓበረትን።
ጸብጻባት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምጸነጽሮ፥ ብዝሒ ተፈተንቲ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ናይ ዓመተ ትምህርቲ 2025/2026 ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብልዕሊ 2500 ተማሃሮ ጎዲሉ ኣሎ።
ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ: ስርዓተ ትምህርቲ ሃገርና ብቕዓቱን ዓይነቱን ባይታ ዘቢጡ መንእስያት ትምህርቶም ተሰናኺሎም ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቁረኑን ክስደዱን ኣብ ኲናት ክጥበሱን ብዘይ ስራሕ ክተርፉን ልሙድ ተርእዮ እዩ።