ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ልኡል ወራሲ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘጽደቖ ኣክሲዮስ ንሰበስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ስዑዲ ዓረብ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ መጥቃዕቲ ብምፍጻማ፡ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ ድሕሪ 2022 ዝዓበየ መጥቃዕቲ ኣየር ከካይዱ ደሪኽዎም።
እቲ መጥቃዕቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሐ ዘይወግዓዊ ስምምዕ ሰላም ከምዝሰበረ ይግለጽ።
ልኡል ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ፡ ሃገሩ ምስ ሑቲ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ግጭት ከምዘሻቐላን ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ደገፍ ኣሜሪካ ከምዝደሊ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ከምዝገለጸ ይሕበር።
ስዑዲ ዓረብ ነቲ ሕቶ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘቕረበት ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዋሺንግተን ትማሊ ሓሙስ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ውን ተራኺቡ’ዩ።
ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ፡ ልኡል ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ፡ ንትራምፕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሑቲ እትወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክድግፍ ሓቲቱ’ኳ እንተነበረ
ዋይት ሃውስ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብቕጽበት መልሲ ኣይሃበን።
ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ እውን ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።
እቲ ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ስዑዲ ዓረብን ሑቲን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ቅድሚ 10 መዓልታት ዝጀመረ፡ ነፋሪት ኢራን ኣብቲ ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ ዝቆጻጸሮ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ድሕሪ ምዕላባ’ዩ።
እታ ነፋሪት ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ላዕለዋይ መራሒ ነበር ኣያቱላህ ዓሊ ኻሜነይ ንምስታፍ ልኡኽ ሒዛ ከምዝነበረት ውን ይግለጽ።
ስዑዲ ዓረብ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ካብ ኢራን ናብ ሰንዓ ዝነበራ በረራታት ደው ዘበለቶ ኮይና ትማሊ ሰኑይ ልኡኽ ዝጸዓነት ነፋሪት ኢራን ክትምለስ እንከላ ብሓይልታት ስዑዲ ዓረብ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ድሕሪ ምህራማ እታ ነፋሪት ናብ ካልእ ሸነኽ ክትጥምዘዝን ኣብ ኣል ሑዳይዳ ክትዓልብን ተገዲዳ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እታ ነፋሪት ኣጽዋር፡ ክፍሊ ሚሳይላትን ወተሃደራዊ ኣባላትን ሒዛ ከምዝነበረት ይኸሱ።
ሑቲ ድሕሪ መጥቃዕቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብሃ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዝወንጨፉ ውን ተፈሊጡ ኣሎ ።