ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ኣለምዋጭ ሃዲሞም ኣብ ከባቢታት ኣድያቦ ትግራይ ንዝተዓቁቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብዘይድላዮም ጨውዩ ናብ ኤርትራ የግዕዞም ብምህላው፡ ዳግማይ ናብ ኣለምዋጭ ክምለሱ ይግደዱ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ መዓስከር ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
መዓስከር ኣለምዋጭ መዋፈሪ መንነቶም ዘይፍለጡ ሸፋቱን፡ ብረት ዝተዓጥቁ ሓይልታት ፋኖን ድሕሪ ምዃኑ ፡ ብሰላም፡ክነብሩ ዘይከኣሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብቲ መዓስከር ሃዲሞም ኣድያቦ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ከባቢታት ትግራይ ብምግዓዝ፡ ምስ ህዝቢ ተጸጊዖም ክነብሩ ምጽንሖም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ ምስቲ ምእዙዝ መጻምድቱ ኮይኑ ዝርከብ ህወሓት ብምዃን ፡ ገፊፉ ናብ ኤርትራ የእትዎም ብምህላዉ፡ ካብቲ ብሃልሃልታ ጸሓይ ዘቃጽል ከባቢታት ኣድያቦ፡ ዳግማይ ናብቲ ረመጽ ዝዀኖም መዓስከር ኣለም ዋጭ ክምለሱ ተገዲዶም ምህላዎም እዮም ዝገልጹ።
እቶም ካብ ክትራን፡ ጭውያን ቅትለትን ኣለም ዋጭ ባህሪሮም፡ ናብ ክልል ትግራይ ከባቢታት ሽራሮን ሽረን ዝተመለሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ሰራዊት ወያነ ምስ መንእሰያት ትግራይ ሓዊሱ ብኣልማማ ብምግፋፍ፡ ብመንገዲ መረብ ናብ ኤርትራ ይወስዶም ምህላዉ ዘረጋገጹ ደለይቲ ፍትሒ፡ እቶም መእተዊ ዝጸበቦም ስደተኛታት ከይፈተዉ ናብ ኣለምዋጭ ይምለሱ ምህላዎም እዮም ዘረጋግጹ።
ካብቲ ግፋ ሃዲሞም ናብ ኣለም ዋጭ ዝተመልሱን፡ ናብራ ከልበትበትን ሽቑረራ እቲ መዓስከር ከም ብሓድሽ ዝጀመሩን ስደተኛታት ከምዘረጋግጽዎ፡ ካድራት ህወሓት ዝግፈፍ ገፊፎም፡ ንዝተረፈ ቆልዓ ሰበይቲ፡ ወይ ናብ ዓድኹም እተዉ ወይ ከኣ ናብ ዝነበርኩሞ ጎንደር ተመለሱ እንዳበሉ የባጭውሎምን፡ ጸቕጢ ይገብርሎምን ብምህላዎም፡ ካብቲ ይሓይሽ ኢሎም ዝተጸግዕዎ ህዝቢ ትግራይ ብህወሓት ተሰጊጎም፡ ዳግማይ ናብ ዝገደደ ከልበትበትን ሕሰምን ብምእታው፡ ናብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣለምዋጭ ይምለሱ ምህላዎምን፡ ናብ ዝኸበደ ጸገም ወዲቖም ከምዘለዉን’ዩ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ኲናት ደንጉዩዎ ኣብ ተርባጽ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ናይ ጽንተት ገበናት ንምኽዋል፡ ኣብ ሞንጎ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ኲናት ንምውላዕ ሰፊሕ ምድላዋት ኣብ ምግባር ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኲናት ብጽልዋ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ደው እንተኢሉ ረብሓኡ ስለዝትንከፍ፡ ንህወሓት ከም መዋግኢ ፈረስ ተጠቂሙ ትግራይ ናብ ዘይትወጾ ሽግር ንከእትዋ ይቃለስ ምህላዉ ማንም ዝርደኦ ሓቂ እዩ።