ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ብምኳን ኣብ ስራሕ ዝርከብ ጀነራል ባጫ ደበሌ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ፡ ብጉጅለ ህግደፍን ንዑ ዝመስሉ ኣካላትን ይጠሓስ ምህላዉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ horn review ኣብ ዘቐመጦ ጽሑፍ ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ልኡላውነቱ፡ ግዝኣታዊ ሓድነቱን ሃገራዊ ድሕነቱን፡ ተደጋጋሚ ግዜ ብዕላማ ኣብ ዝጠሓሰሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ ትዕግስቲ መርገጺኡ ንዘይተወሰነ ግዜ ሒዙ ክቕጽል ምጽንሑ፡ ይኩን እምበር ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ግን ትዕግስቲ ክመርጽ ከምዘይከኣለን ዝጠቀሰ ኣምባሳደር ባጫ ደበሌ፡ ኢትዮጵያ ጸረ ሉኡላዊ ሓድነት ስጉምቲ ንምውሳድ ከምእትግደድ ኣጠንቂቑ።
ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝኮኑ ተጋሩ፡ ፖለቲካዊ ዕላማታት TPLF ንምውቃዕ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንክሳተፉ፡ ዕሱባት ወታደራት ብምኳን ዝሽየጡ፡ ብግዲ ናብ ውትድርና ዝምልመሉን፡ ከም መሳርሒ ግጭት ዝምዝመዙን ኮይኖም ምህላዉ ዝገለጸ ባጫ ደበሌ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረታዊ መሰላቶምን ድሕነቶምን ናይ ምክልኻል ሞራላውን ሓላፍነት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ህወሓት ዝውገደሉ ስጉምቲ ከም ኣማራጺ ክውሰድ ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ እየ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ናብ ሰላም ንምምጻእ ውን፡ ተደጋጋሚ ግዜ ናብ ዘተ ንምእታው ዘለዎ ድሌት ክገልጽ ምጽንሑ ዝጠቀሰ እቲ ኣምባሳደር፡ እቲ ብደላሎ ኣቢሉ ዲፕሎማስያዊ መስመራት ዝተኸተለ ናይ ሰላም ጠለባት፡ ካብኡ ሓሊፉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፌደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ለካቲት 2026 ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣቢሉ፡ ቀጥታውን ህዝባውን ናይ ዘተ ጻውዒት ብምቕራብ ርሕቀት ተጓዒዙ እዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ይኩን እምበር እዚ ጻዕርታት እዚ በቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ጉጅለ ክንጸግ ምጽንሑ’ዩ ዝጠቅስ።
ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ እየ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ብሱልን ሓላፍነታውን ዲፕሎማስያዊ ኣካይዳ ንምጽማድ ዘለዎ ዘይምስማዕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መሰረት ርክባት ሃገራት ንዝኾኑ መሰረታውያን መትከላት ልኡላውነትን፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን እውን ዕሽሽ ከም ዝበሎም ዘረጋግጽ ምኳኑ ዝጠቀሰ ባጫ ደበሌ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ጎረቤት ሃገር ሃናጺ ዝኾነ ርክባት ካብ ምፍጣር ንላዕሊ፡ ርጋኣትን ሰላምን ኢትዮጵያ ንምብታን ዝዓለመ ፖሊሲታት ከምዘለዎ ዘንጸባርቕ ምኳኑ ጠቂሱ፡ እዚ ድማ ህግደፍ ኣብ ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን፡ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ሓንቲ ጎረቤት ሃገር ዘለዎ ዕሽሽትነት ዘግህድ ምኳኑ’ዩ ዝኸስስ ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝተኸተሎ ንኢትዮጵያ ናይ ምድኻም ስትራተጂያዊ ህርፋኑ ከምዘይሓደጎ ዝጠቀሰ እቲ ኣምባሳደር፡ ከም’ዚ ዓይነት ራኢ ምኽታል፡ ክልተኣዊ ምስሕሓብ ዘስዕብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዘይምርግጋእን ውሽጣዊ ምክፍፋልን ብምምዝማዝን፡ ፖለቲካዊ መዋቕር ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ንምቕራጽ ዝግበር ሓደገኛ ፈተነ ምኳኑ’ዩ ኣብ ጽሑፉ ዝገልጽ።
ታሪኽ ከም ዘረጋግጾ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ህዉኻት ስትራተጂያዊ ጌጋታትን ዘይጭበጡ ህርፋናትን፡ መብዛሕትኡ እዋን ካብ’ቲ ብነደፍቶም ዝተገመተ ውጺኢት ንላዕሊ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከምዘከትሉ ዝምጉት ኣምባሳደር ባጫ፡
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ መንግስታት ብምፍራስን ፖለቲካዊ ሕቶታት ዳግማይ ብምቅራጽን፡ ሰፊሕ ዞባዊ ዳግመ-ውደባ ንምርግጋጽ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት፡ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣዝዩ ዝረሓቐ ፖለቲካዊ ሓደጋታት ከስዕብ ምኳኑ ድሕሪ ምጥንቃቕ፡ ዕግርግር ብምፍጣር ዝረጋገጽ ፖለቲካዊ ህርፋናት፡ ካብቲ ተሓሲቡ ዘሎ ውጺኢት ብመሰረቱ ዝተፈልየ ውጽኢት ከም ከስዕቡን፡ ዕንወት ከይወረደ ክሓስበሉ ከምዝግባእን እዩ ዝመክር።
ጉጅለ ህግደፍ በዚ ኣንፈት እዚ እንተቀጺሉ፡ ኢትዮጵያ ልኡላውነታ ግዝኣታዊ ሓድነታን ሃገራዊ ድሕነታን ንምሕላው፡ ሕጋዊ ናይ ምክልኻል መሰላ ክትጥቀም ከምዝኾነትን፡ ስጉምቲ ክትወስድ ከም እትግደድን ዘረጋገጸ ኣምባሳደር ባጫ፡ ናይ ከም’ዚ ዓይነት ምስሕሓብ ክዓቢ ምግባር፡ ሳዕቤናቱ ኣዝዩ ዓሚቚ ክኸውን ይኽእል እዩ ድሕሪ ምባሉ፡ እዚ ኩነታት እዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንባዕሉ ከቢድ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ምኳኑን፡ ስግኣት ምፍራስ ሃገርን፡ መጠነ-ሰፊሕ ዋሕዚ ስደተኛታት ውን ክኽሰት ከምዝኾነን እዩ ዘጠንቅቕ።
ኣብ መደምደምታ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብምርባሽ ኢትዮጵያ ዝረጋገጽ ፖለቲካዊ ርጉኡእንተ ንምፍጣር ይሃልኽ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኣምባሳደር ባጫ፡ ህግደፍ ኣደብ ክሕዝ እንተዘይኪኢሉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝቀንዐ ስጉምቲ ክወስድ ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።