ህወሓት ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝመስረቶ ጥምረት፡ ናይ ጥፋኣት ጥምረት ምዃኑ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብምዃን ኣብ ስራሕ መንግስቲ ፌደራል ዝርከብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ መሪሕነት ህወሓት ምስ ጉጅለ ህግደፍን ካልኦት ሓይልታትን ብምዃን ፈጢርዎ ዘሎ ጥምረት፡ ናይ ጥፋኣት ‘ዩ ክብል ገሊጹ።
ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ መራሕቲ ህወሓት ምስቲ ብውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍን፡ ካልኦት ንፌደራል መንግስቲ ዝቃወሙ ሓይልታትን ብምዃን ዝፈጠሮ ጥምረት፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ዓቢ ጥፍኣት ዘኸትል ናይ ጥፍኣት ቀመር እዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ጥምረት እዞም ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ክኹነን ከምዝግቦኦ’ዩ ዝገልጽ።
ኣቶ ጌታቸው ነዚ ዝገለጸ፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኮይኑ፡ መሪሕነት ህወሓት ኣቐድም ኣቢሉ መንግስቲ ፌደራል ንምፍራስ፡ ምስ ውሽጣውያንን ግዳማውያንን ሓይልታት ብምልፋን ዝገብሮ ዝነበረ ምንቅስቓስ ፡ ኣይወዓልክዎን ብምባል ክኽሕዶ ምጽንሑ ዝጠቐሰ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን፡ ዘይምለሰሉ ወሳኒ ስጉምቲ ከም ዝወሰደን፡ ናብ ናይ ሓይሊ ኣማራጺ ከም ዝተሰጋገረን ብግህዶ ይእውጅ ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዝጠቅስ።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ብስም ጽምዶ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ግንባር፡ ምዕራብ ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ምምላስ፡ ወይ ድማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምፍጻም ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፌደራል መንግስቲ ብሓይሊ ምግልባጥ ምዃኑ ዝገልጽ ኣቶ ጌታቸው፡
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ግምባር ሸረሪና ዝተኸስተ ግጭትን፡ ብብዝሒ ዝተማረኸ ናይ ኲናት መሳርሒን ከም ኣብነት ብምቕራብ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንትግራይ ከልላ መሸፈኒ ንምግባራ፡ ምእዙዛት ዓያሹ ብምምልማል፡ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ህጻናትን ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን፡ ቁማር ንክጻወቱ የዳልዎም ምህላዉ’ዩ ዝኸስስ።
ቀንዲ ትርጉም ክወሃቦ ዝግባእ ወገናዊ ቃልሲ ሰራዊት ትግራይ፡ ህልውና ህዝቢ ትግራይ እምበር፡ ህልውና ኲናት ከም መውጽኢ ጥሮታ ዝጥምቱ ውሑዳት ኣካላት ከምዘይኮኑ ተገንዚቡ፡ ሰራዊት ትግራይ በቃ ክብሎም ከምዝግባእ ዘተሓሳሰበ ኣቶ ጌታቸው፡ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣት ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ክፍታሕ ከም ዝከኣል’ዩ ወሲኹ ዘተሓሳስብ።
መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ ንምሉእ ትግበራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ እሙን ኮይኑ ክቕጽልን፡ ወላ ውን ተደጋጋሚ ምትኹታኽ እንተሃለወ፡ ትዕግስቱ ብምጽናዕ ናይ ሰላም ኣማራጺታት ክፉት ክገብርን ዝጸውዐ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ዝግበር ናይ ኲናት ምንቅስቓሳት ንምርግጋጽ ናይ ሳተላይትን ናይ መሬትን ምክትታል ክግበር፡ ግጭት ዝወልዑ ወተሃደራውያንን ፖለቲካውያንን ኣካላት ተሓተቲ ክኾኑ፡ ንድሕነት ሲቪል ዜጋታት ቀዳምነት ብምሃብ፡ ካብ ኩሎም ወተሃደራውያን ሓይልታት ምሉእ ወታሃደራዊ ተሓታትነት ክህሉን ብምትሕስሳብ፡ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ክብል ዝገልጾ ህወሓት ይኣክል ክብሎ ጸዊዑ።
ኣብ ቅድሚ ምድላው ኲናት ስቕታ ምምራጽ፡ ናይቲ ጥፍኣት ተሓባባሪ ምዃን እዩ ብምባል መልእኽቱ ዝዛዘመ ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ተረፍ መረብ ህወሓት ክብል ዝገለጾ ናይ ህወሓት ሓይሊ፡ ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ብስቓይ ትግራዋይ ንምንዋሕ ኢደ ቤዛ ኮይኑ ትግራይ ንከዕንዋ ይሰርሕ ምህላዉ’ዩ ከረድእ ዝፍትን።፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ግምባር ሸረሪና ዝተኸፍተ ውግእ ሓይልታት ፌደራልን ጽምዶን፡ ድሕሪ ናይ 23 ሰዓታት ከቢድ ደማዊ ውግእ ከምዘዕረፈ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ግምባር ቆቦ ዝግበር ዘሎ ሰፊሕ ምድላዋት ኲናት፡ ንኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ ናይ ምብትታን ሓደጋ ከየእትዋ ተፈሪሁ ይረከብ።