ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ ውን ሰፊሕ ምንቅስቓስ ሰራዊትን ኣጽዋርን የካይድ ምህላዉ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ጸልማት ጉልባብ ብምግባር፡ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክፍለጥ ዘይተኻእለ ንብረት ጽዒነን፡ ብመስመር ኣስመራ መቐለ ክሓልፋ ዝቐነያ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ 20 ነሓሰ 2026 ክሳብ ቀዳም 22 ነሓሰ 2026 ኣብ ዝነበረ መዓልታት፡ ከም ኣመጻጽኣአን ጸልማት ተጎልቢበን፡ መስመር መቐለ ኣስመራ ሒዘን ንግሎመኸዳ ኣቋሪጸን ብኣንፈት ሰንዓፈ ናብ ኤርትራ ክሓልፋ ምቕናየን፡ ደለይቲ ፍትሒ ካብቲ ከባቢ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣነጺሮም።
ብተወሳኺ ሰራዊት ህግደፍ ከባቢታት ዛላምበሳን ኣምበሰተ-ገለባን ንድሕሪኡ ገዲፉ፡ ክሳብ ዝባን ሑጻን ቀር-ሽብጥን ዘሎ ቦታታት ተዘርጊሑ፡ የማን ጸጋምን ወተሃደራዊ ናብርኡ ክገብርን ይርአ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ከባቢ ዝነበረ ሰራዊት ህውሓት፡ ቦትኡ ገዲፉ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዞባ ጸለምቲ ከምዝገዓዘን፡ ርኡይ ምንባብ ዝተመልኦ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ክልቲኦም ሓይልታት ይርአ ምህላዉን’ዮም ዝገልጹ።
ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍሉይ ከኣ ከባቢ ዶባት ዝርከብ ህዝብና፡ ብስግኣት ኩናት፡ ድርቂ ክራማትን፡ ሕጽረት ጽሩይ ቀረብ ዝስተ ማይን ዘሕልፎ ዘሎ ጸገማት ከይኣኽሎ ፡ ብስእነት መሻየጢ ዕዳጋ ዝኾነ ባጤራ፡ ብፍላይ ከኣ ናቕፋ ተሸጊሩ፡ ኣብ ሽግር መነባብሮ ወዲቑ ምህላዉ ዝገልጹ ምንጭታትና፡ ብኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንዘይስገር መሰረታዊ ጸገማት ህዝቢ ዕሽሽ ብምባል፡ ኲናት ክውልዕ ኣብ ምሽብሻብ ምህላዉ’ዮም ኣብ ዶባት ንዘሎ ባይታዊ ሓቂ ብምጥቃስ ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ምምንጣል ሲም ካርድን ሞባይልን ሰራዊት፡ ተደጋጋሚ ግዜ ዘዘውትሮ ባህርያቱ እኳ እንተኮነ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ መዓልታት ግን፡ ፍሉይ ምጥርናፍ ሞባይላት የካይድ ምህላዉ ወሲኾም ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ እቲ ኩነታት ዝኾነ ይኹን ዝተፈልየ ምንቅስቓስ ክህሉ ይኽእል’ዩ ዝብል ገምጋም ከምዝህብ ብምጥቃስ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካድራቶምን ውን ብተመሳሳሊ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሲም ካርድ ሒዞም ከይርከቡ ተሪር መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦም’ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣኼባታቱ፡ ካብ ከባቢታት ኣስመራ ከይተረፈ፡ መስመር ሲም ካርድ ኢትዮጵያ ናብ ዝሰርሓሉ ቦታታት ዶብ ብምቕራብ፡ ድሃይ ስድራቤታቶም ዝገብሩ ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና እናበለ ኣባላት ሰራዊት የፈራርሕ ምህላዉ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ተጠንቀቕ ኮይኑ ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳቱ የካይድ ምህላዉ እዮም ዝጠቕሱ ።
ብተወሳኺ ናይ ትካል ኤሪቴል መደወሊ ካርድ ካብ ዕዳጋ ብምጥፊኡ፡ ብርክት ዝበለ ሞባይል ዜጋታት ደስኪሉ ተዓጽዩ ምህላዉ ዝጠቐሱ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ እቲ ንሓበሬታ ከም ቁሪ ዝፈርሓ ጉጅለ፡ ህዝብና ሓበሬታ ንኸይረክብን፡ ሓድሓድ ከይራኸብን ካብ ደገ ሓበሬታ ከይእክብን ናይ ዘለዎ ይጽዕር ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።