ጉጅለ ህግደፍ፡ ዕረ እናጠዓሞን ዓይኑ ብጨው ሓጺቡን ኤርትራውያን
ተቓወምቲ ከምዘለውዎ ኣሚኑ።
ጉጅለ ህግደፍ ዓይኑ ብጨው ሓጺቡን ተገዲዱን፥ ነቲ ኣጽናትን ቀይዲ በተኽን ምምሕዳሩ ዝቓወሙ ኤርትራውያን ከምዘለውዎ ብወግዒ ተኣሚኑ።
ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ’ዚ ሳልስቲ ብመንገዲ ዘይወግዓዊ ኣፈኛኡ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ዘይልሙድ ቃና ሰላምን ህዝባዊ ሓልዮትን ዘለዎ መጸዋዕታ: “ኣብ’ዚ ተኣፋፊ መድረኽ ትቓወምትናን ደገፍትናን ሰሚርና ዓድናን ህዝብናን ከነድሕን ኣለና” ኢሉ።
ዘይወግዓዊ ኣፈኛ ለፍላፊ ኣወል ስዒድ ኣስዒቡ “ኣብ ዓለም ፍትሒ ስለዘየለ ነዚ ደገፍትናን ተቓወምትናን ዝለኻኽም ኩነታት ንምፍሻል ኩልና ኣብ ጎድኒ መንግስትና ደው ንበል” ኢሉ።
ኣወል ስዒድ ኣብ መዛዘሚ ኣብዚ እዋን’ዚ ምሽማት ታንክታትን ወተሃደራዊ ምቅርራብን እምበር ምህናጽ ሃገር ቀዳምነት ስለዘይኮነ ጠሚና ጸሚእና ምባል ከምዘየድሊ ገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ ድሕነትን ልኡላውነትን ህዝቢ ኤርትራ ተቆርቋሪ እንተኾይኑ ብዕሊ ብቅንዕናን ፊት ንፊትን፥ ስልጣኑ ንህዝቢ ኤርትራ ከረክብ: መሰጋገሪ መንግስቲ ክዋደድን፥ ኩሎም ሕዩራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ: ንዕርቅን ዘተን ማዕጾኡ ክፉት ክኸውን: ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ክቀርቡ፥ ዝብሉን ካልኦት ጉዳያትን ክትግበሩ ኣለዎም።
ጉጅለ ህግደፍ ናይ ክዝሕለካ ብኢድካ ክውዕየካ ብማንካ ሽጣራ ምጥቃም ብዘይካ ምብኻን ግዜ ፋይዳ የብሉን።