ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ሶሎዳ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ዓጀብቲ ዶ/ር ደብረጽዮን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ተገሊጹ።
ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት፡ ካብ ከተማ መቐለ ምውጾኦም ስዒቡ፡ ናብ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዝርከብ “ሶሎዳ ሆቴል” ዘነጻጸረ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታታት ከም ዘረጋገጾ ግን፡ እቲ ናይ ድሮናት መጥቃዕቲ፡ ንላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዘነጻጸረ ምንባሩን፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ውን ኣባላት ሓላዋ ዶክተር ደብረጽዮን ከምዝተቐትሉ’ዩ ዝንገር።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ሰዓት፡ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብቲ ሆቴል ከም ዝነበረ፡ ዘረጋገጽ ዝኮነ ይኩን ብወግዒ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዘየለ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ገለ ኣባላት ሓለዋ እቲ በዓል-ስልጣን ብመጥቃዕቲ ድሮን ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
በቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑ ኮይኖም፡ ብዘይካ’ቶም ክልተ ዝተዓጥቁ ኣባላት ሓለዋ፡ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ሰባት፡ ኣብ’ቲ ሆቴል ዝነበሩ ሲቪልያን ምንባሮምን፡ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወስዱ፡ ህይወቶም ንምድሓን ዝተገብረ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተን’ዩ ዝንገር።
ሓይሊ ኣየር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝርከብ ሆቴላትን መሰረተ ልምዓትን፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ግዜ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈደመ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ እዚ ስጉምቲ እዚ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣለዉ ንዝተባህሉ ኣዘዝቲ ህወሓት ንምጥቃዕ ዝተፈጸመ እኳ እንተነበረ፡ ንዶ/ር ደብረጽዮን ሓዊሱ ካልኦት ወተሃደራውን ፖለቲካውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ግን፡ ኣብ’ቲ ሆቴል ከም ዝነበሩ ዘረጋግጽ ሓበሬታ የለን።