ጉጅለ ህግደፍ፡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ሰራዊት ብምውሳኽ፡ ኣብ ግንባር ኢሮብን ዛላምበሳን ዓቕሚ ሰብ ኣብ ምምዕራይን፡ ወተሃደራዊ ድፋዓት ኣብ ምድልዳልን ምህላዉ ካብ ዶባዊ ከባቢታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ብክቱር ድኻም ተሰኒፉ ዝርከብ ሰራዊት ህግደፍ፡ ታንክታትን መዳፍዕን ኣኸቲሉ ፡ ወጋሕታ ካብ ሰንዓፈ ብምንቅስቓስ ብመስመር ያሃ ናብ ማይ ጨዓ ናብ ዝሕውስ መስመር ተዘርጊሑ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ምንቅስቓስ ብከባቢታት ዝባን ዓይጋ፡ ወርዓትለን፡ ክሳብ እንዳልጌዳን መኸታን ዓውዳን ተዘርጊሑ፡ ኣብ ምዕራባዊ ወገን ድማ ብጎልጎል ስመጃና ኣቢሉ ናብ ነድወ ዘገብላ ይድይብ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ብተወሳኺ ሰራዊት ህግደፍ፡ ብዓድጉልቲ ኣቢሉ ናብ መነኹሰይቶን ምሉእ መስመር እንዳዳሽምን ተዘርጊሑ ከምዝኣተወ ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ ብግንባር ዛላምበሳ ውን ኣቐዲሙ ኣብ ከባቢ ዓድሓቅን ሕጾትን ዝነበረ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ቀጺሉ ምህላዉ ዝወሰኸ እቲ ሓበሬታ፡ ህግደፍ ንዓመታት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ድልዱል ድፋዓት ብምቕያር፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ኣብ መስሓልን ከባቢኡን ይተክል ምህላዉ ውን’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘመልክት።
በዚ መሰረት ህግደፍ ካብ ፎርቶ መስሓል ጀሚሩ ብጸጋምን የማንን ወገን ተዘርጊሑ ምህላዉ ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ ብኻልእ ወገን ኣብ ወገን ሙጉላት፡ ዘትን ኣሕፈሮምን ዝተዋፈረ ክፋል ሰራዊት ህወሓት እውን፡ ናብ በለሳ፣ ጸሮና፣ ሰያቦ፣ በገናን ለይቶን ዘሎ ከባቢታት ተዘርጊሑ ምህላዉ’ዩ ዘረጋግጽ።
እቲ ሰራዊት፡ ብቁኒኖን ቁኒቶን፡ ሰብዑን እንዳሃወርያትን ኣቢሉ፡ ምስ ኣብ ዝባን ሃም ዝርከቡ ኣሃዱታት ተናቢቡ ድፋዓቱ የደልድል ከምዘሎ እቲ ምንጪ ሓበሬታ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካብ እግሪ መኸል ክሳብ ስፍራጨው፡ መረብ፡ ክሳድ ዒቃ፡ ኣውሓ መረብ፡ ዓድመርሆ፡ ማይምነን ዝባን ደብረማርያምን ተዘርጊሑ፡ ክሳብ ታሕታይ ኣድያቦን ከባቢ ባድመን ዝበጽሕ ሓድሽ ወተሃደራዊ ግንባር ውን ተፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዘረጋግጽ።
ብተወሳኺ፡ ሓደ ክፋል ናይ ሰራዊት ህወሓት ሞራሉ ከምዝተጸልወ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ገለ ኣባላት ብውልቅን ብጉጅለን ቦታታቶም ገዲፎም ናብ ዓዶም ይምለሱ ምህላዎም ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ዝቕጽል ሳልስቲ ሓድሽ ነገር ክፍጠር ይኽእል’ዩ ብዝብል ግምት ልዑል ጥንቃቀ ዝተመልኦ ዝርግሐ ሰራዊት የካይድ ምህላዉ’ዩ ዘረጋግጽ።