ጉጅለ ህግደፍን ብልጽግናን ካብ ግጭት ክጥንቀቑ ኣመሪካ ኣተሓሳሲባ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እንዳዓበየ ንዝመጽእ ዘሎ ውጥረት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ ምፍጣጥ ጉጅለ ህግደፍን ብልጽግናን ናብ ዞባዊ ግጭት ከይዓቢ ስክፍታ ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ ንክልቲኤን ሃገራት መጠንቀቕታ ከምዝተዋህበን ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እንዳዓበየ ክመጽእ ዝጸንሐ ወጥሪ ኲናት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝርአ ዘሎ ጻዕቂ ሰራዊት፡ ኣሜሪካ ብዞባዊ ስግኣት ከምእትጥምቶ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣሜሪካ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ መጠንቀቕታ ከምዝሃበት’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ብወገን ክልቲአን ሃገራት ገና ዘይተፈትሐ ጉዳይ ዘለዎ ዶባዊ ከባቢታት ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰራዊት፡ ብዓቢ ስግኣት እያ ትጥምቶ ዝበለ ማርክ ሩቢዮ፡ ብወገን ሃገሩ እቲ ኣሰካፊ ዝመስል ኩነታት ናብ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ክዓቢ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ምህላው ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኣሜሪካ ናብ ጠረጴዛ ክምለሱ ምጥንቃቓ’ዩ ዘረድእ።
ማርኮ ሩቢዮ ወሲኹ፡ ነቲ ንትግራይ ይቃለስ ምህላዉ ዝገልጽ ውድብ ህወሓት ሽበራዊ ጉጅለ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዕጡቓት ሓይልታት ንዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ይህበሉ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ድሮናት ተጠቂሞም መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምጥቃስ ንተግባራቶም ኮኒኑ።
ሩቢዮ ነዚ ተግባር እዚ ሽበራዊ ተግባር’ዩ ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣሜሪካ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ብትሪ ከም እትኹንን ብምርግጋጽ፡ ኣብ ውሽጣዊ ግጭት ኢትዮጵያ መንግስቲ ፌደራል ምሉእ ደገፍ ኣሜሪካ ከምዘለዎ ኣሚቱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ምላሽ ምሃቡ ስዒቡ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ምንቅስቓስ ሰራዊት ከም ዝወሰኸ ወሲኹ ዝጠቐሰ ማርክ ሩብዮ፡ ሃገሩ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ግጭት ንከይምለሳ ክትጽዕር ምዃና’ዩ ዝገልጽ።
ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣሜሪካ ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበሩ ገለ ገለ እገዳታት ከም ዘልዓለት ዘዘኻኸረ ኮይኑ፡ እዚ ውሳነ እዚ ኣሜሪካ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዝህልዋ ዘተ ንምስፋሕን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሰላም ንምምጻእን እትጻወቶ ናይ መንጎኛ ተራ ንምሕያልን ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ብተወሳኺ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንምንካይ፡ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘተ ከም ዘካየደት ዝሓበረ ሩቢዮ፡ እቲ ኩነታት ብትዕግስትን ብህድኣትን ክሕዝዎ እውን ጻውዒት ኣቕሪቡ ይርከብ።
እቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ኩነታት ንካልኦት ሃገራት ዝስሕብን፡ ናብ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ከይዓቢ ዘስግእን ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ኣሜሪካዊ በዓል ስልጣን፡ ከም ሳዕቤኑ ክቱር ጥንቃቐ ክግበር ከም ዘለዎ’ዩ ዘጠንቅቕ ።
ኣብ መወዳእታ፡ ዓለም ተወሳኺ ኲናት ከም ዘየድልያ ዝጠቐሰ ማርክ ሩብዮ፡ እቲ ወጥሪ ናብ ዝዓበየ ግጭት ከይቅየር ኩሎም ወገናት ብህድኣትን ብጥንቃቐን ክሰርሑ ብምትሕስሳብ፡ ክልቲኤን ሃገራት ቀዲመን ናብ ዝፈረምኦ ናይ ሰላም ዘተ ክምለሳ መኺሩ ።