ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ: ያንዙር ኣብ ዝተባህለ ምዕራባዊ ከባቢ ትሪፖሊ ፡ ስደተኛታት ዝነብርሉ በዓል ሰለስተ ደርቢ ህንጻ ብምፍራሱ ፡ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲን ዝርከብዎም 7 ሰባት ሂወቶም ክስእኑ እንከለዉ ዓሰርተታት ካልኦት ብጽኑዕ ምቚሳሎም ሰብ መዚ ጥዕና እታ ከተማ ሓቢሮም።
እቲ ፈሪሱ ዘሎ ህንጻ፡ ቅድሚ 4 ዓመታት ዝተሃንጸ ኽንሱ ፡ ሰኣን ዘይብቚዕ ህንደሳ ናብ’ቲ ዕንወት ምብጻሑ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጨንፈር ሊብያ፡ በቲ ዘጋጠመ ሞት ስደተኛታት ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ ፡ ብሂወት ንዝተረፉ ግዳያት ንምድግጋፍ ክሰርሕ ከምዝኾነ ኣረዲኡ ኣሎ።
ኣብ’ታ ዝተማእከለ ምሕደራ ተሓሪምዋ ዘሎ ሊብያ ብቐንዱ ድማ ከተማ ትሪፖሊ ዝነብሩ ስደተኛታት ንቐጻሊ ሓደጋን ምዝመዛ ካብ ምቅላዕ ከምዘይተናገፉ ዝፍለጥ ኾይኑ፡ እዚ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደጋ፡ ሰብ መዚ ዉሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ንስደተኛታት ንምጥራዝ ሜላታት የርቅቚ ኣብ ዘለውሉ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ እዩ።
ኣብ ትሪፖሊ ዝማእከሉ ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ ፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናይ ምጥራዝ ገዚፍ መደበ ከውፍር ይቀራረብ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብወግዒ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።
ኣብ’ቲ እዋን በቲ ሚኒስትሪ ዝወጸ ጸብጻብ: ብመሰረት ትእዛዝ ሚኒስተሩ ሜጀር ጀነራል ኢማድ ሙስጠፋ ታራብሌሲ :ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ገፊፍካ ንምጥራዞም ዘኽእል ሰፊሕ ጸጥታዊ ወፍሪ ኪቃናዕ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ ኔሩ።
እቲ ወፈራ ፈለማ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ጸኒሑ ድማ ናብ ኩለን ከተማታትን ዞባታትን እታ ሃገር ከብል ምዃኑ እዩ ጸብጻብ እቲ ሚኒስተሪ ዘመልክት። ሕቡራት ሃገራት ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝመርጹ ስደተኛታት ዝደጋገፍ ፕሮግራም ሰሪዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ: እዚ ብሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ ምድላዋት ተጻፊፍሉ ዘሎ ወፈራ ካብ’ቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዝተፈልየ ምዃኑ ይንገር።