ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ተለቪዥን ኤሪፒኤም ንድፊ ዓንዲ ሕጋ ህዝባዊ ዕጋበት ዘረጋገጸ ንክኸዉን እተካይዶም ዘላ ጻዕርታት፡ ብ9 ሕዳር እዉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ዝነጥፉ ተቓለስቲ ፍትሒ ክፉት ምይይጥ ኣካይዳ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ወነንቲ ዝተፈላለያ መስመራት ዩቱብን ካልኦት መሳዂቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዘካይዱን ደለይቲ ፍትሒ ተረኺቦም፡ ኣብ’ቲ ኤሪፒኤም ነዲፋቶ ዘላ ዓንዲ ሕጊ ሃናጺ ርእይትኦም ኣካፊሎምን ኽንጽረሎም ዝደልይዎም ሸነኻት ሓቲቶምን።
ነቲ ክፉት መድረኽ ንሰለስተ ቐዳማት ዝኣልዮ ዘሎ ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ ኤሪፒኢም ጋዜጠኛ ሄኖክ፡ ምስ መሳርሕቱ ብምዃን ፡ ካብ ተሳተፍቲን ህዝቢን ንዝነቕሉ ሕቶታትን የብርሁ፡ ንዝወሃቡ ሃነጽቲ ርእይቶታት ድማ ይስንዱ ምህላዎም ይፍለጥ።
ተነዲፉ ዘሎ ዓንደ ሕጊ ፡ ኤሪፒኤም ናይ ደለይቲ ፍትሒ ዋንነት ዘረጋገጸት ሻራዊት ማዕከን ኾይና ኽትቅጽል ዘኽእላ ትካላዊ ቈመና ፡ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ንኽትለብስ ዝሓለነ እዩ።
ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ፡ ምልካዊ ስርዓት ንምስጓግ ብዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ባዕሉ ዝውንናን ዝዉስነላን ማዕከን ዜና ንምግሃድ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ዝርከቡ ኣባላት ኤሪፒኤም፡ ነዚ ኣብ ምክዋን ከም ቀዳምነት ኽውሰድ ኣለዎ ኢሎም ኣሚኖም ተበጊሰምሉ ዘለዉ ጉዳይ ፡ ጉዳይ ህዝባዊ ተቐባልነት ዘረጋገጸ ዓንደ ሕጊ ኾይኑ ኣሎ።
ትካላውነትን ህዝባዉነትን ኤሪፒኤም ብሕግታት ዝተዋሕሰ ክሳብ ዝኾነ ፡ ኩሉ ተቓላሲ ፍትሒ ድምጹ ዘስመዓላ ዝስመዓላን ማዕከን ኽትከዉን ዝሓሸ ዕድል ኣሎ ዝብል እምነት ኣብ መንፈስ ኩሎም ኣባላት ኤሪፒኤም ዘሎ እዩ።
ማእከላይ ዕላማ ናይ’ቲ ተነዲፉ ዘሎ ዓንዲ ሕጊ፡ ቅዋማዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ክርእዩ ዝብህጉን ዝቃለሱን ዘለዉ ዜጋታት፡ ወነንቲ እዚ ትካል ኾይኖም ንኸም ቦርድ ዳይረክተራትን ካልኦት ላዕለዎት ኣካየድቲን ባዕሎም ዝመርጽሉ ትካላዊ ሃዋህው ንምፍጣር ኾይኑ ብኻልእ ወገን እዉን ኤሪፒኤም ተሓታትነት ዝማእከሉን፡ ራኢኡን ዕላማኡን ዘነጸረን ዜናዊ ትካል ኾይኑ ክነጥፍ ዘኽእልዎ መርሓታት ንኽውንን ከምዝኾነ ተሓቢሩ እዩ።
ኣብ ሃገር ፍትሒ ጓዕጺጹ ህዝብና ዘጽንት ዘሎ ስርዓት ንምእላይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ዘይሻራዊ ሚድያ ኸተሰጒም ወድዓዊ ከምዘይኮነ ዝተገንዘቡ ኣባላት ኤሪፒኤም ፡ ጸግዒ ናይቲ ዉጽዕ ሓፋሽ ኪሕዙን ብድሌታቱ ተማእዚኖም ኽነጥፉን ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ይርከቡ።