ስዊዘርላንድ ንኣዳለውቲ ፈስቲቫል ጉጅለ ህግደፍ ናይ ስዊዝ: ኣስታት 29 ሽሕ ስዊዝ ፍራንክ ዕዳ ክኸፍሉ ፍርዲ ከምዘሕለፈት ተገሊጹ።
ቤት ፍርዲ መንግስቲ ስዊዘርላንድ: ብሕቡእን ብዘይ ሕጋዊ ምክንያትን፡ ብስም ፈስቲቫል ናይ ጽሊኢ ጎስጓስ ከካይዱ ንዝመደቡ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ: ኣስታት 29 ሽሕ ስዊዝ ፍራንክ ክኸፍሉ ፈሪዳ።
ብመሰረት ሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ጋዜጣታት ሰዊዘርላንድ ዝኾነት ጋዜጣ ብሊክ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ: ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ መጋቢት 2024 ነቲ ናይ ጽልእን መእከቢ ገንዘብን ዝኾነ ስማዊ ፈስቲቫል: ብዘይ ሕጋዊ ፍቃድ ብምስጢርን ከካይድዎ ኣብ ዝመደብሉ: ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተቃውሞ ስለዘጋጠመ: ፍሉያት ሓይሊ ፖሊስን መጥፋእቲ ሓውን ዘየድሊ ጎንጺ ከይፍጠር ነቲ ፈስቲቫል ጠጠው ከምዝብል ገይሮሞ።
ኣብቲ ዕለት እቲ ኩነታት ንምህዳእ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ኣኽበርቲ ጸጥታ መጥፋእቲ ሓውን ካልእ መሳለጥያን ዝወጸ ኣስታት 29 ሽሕ ስዊዝ ፍራንክ: ቤት ፍርዲ ኣዳለውቲ እቲ ፈስቲቫል ክኸፍልዎ ወሲኑ።
ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ደገፍቲ ህግደፍ: ንብይን ቤት ፍርዲ ብምቕዋም: ንሓደ ዓመት ክከራኸሩ እኳ እንተጸንሑ: ቤት ፍርዲ ግን ነቲ ይግባይ ከምዝነጸጎ እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ሓቢራ።
እቲ ኣብ ከተማ ሶሎቶርን 350 ደገፍቲ ህግደፍ ተሓቢኦም ከካይድዎ ዝሓሰቡ ዘይሕጋዊ ፈስቲቫል: ብምክትታል ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኢዩ ከምዝፈሽል ኮይኑ።
ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ጉጅለ ህግደፍ: ብጉልባብ ባህላዊ ምትእኻብን ሰሚናርን ኤርትራውያን ማሕበረ ኮም ኣብ ስደት ዝግሕጦ ዘይሕጋዊ ገንዘብን ዝዘርኦ ጽልእን ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተሪር ተቃውሞ ስለዘጋጠሞ መደባቱ ክሰናኸልን ብምስጢር ከካይዶን ተቀሲቡ ኢዩ።
እቲ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዘይግዛእን መሰል ዜጋታት ዝግህስን ጉጅለ ህግደፍ: ኣብዘይ ሃገሩ መሰል ምእካብ ክሓትትን ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ከጸልምን ስጊንጢርን ዘሕፍርን ኢዩ።