ዕጡቅ ሓይሊ ሑቲ የመን፡ ብጉዳይ ግጭት ፍሊስጤም ኣብ ልዕሊ መሓዙት እስራኤል”የን ናይ ዝበለን ሃገራት መራኽብ ዝፍጽሞ ዘሎ ቅሉዕ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከቢድ ብከላ ከየስዕብ ስክፍታ ከምዘለዎም ኪኢላታት ገሊጾም።
ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሓምለ ብየመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ዝተሃረመት ኢተርኒቲ”ሲ ዝተባሃለት ባንዴራ ላይበርያ ዝሰቐለትን፡ ብግሪኻዊ ትካል እትመሓደርን ንግዳዊት ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ናብ ከርሲ ቀይሕ ባሕሪ ተሸሚማ ምህላዋ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ብተመሳሳሊ፡ ከሚካል ዝጸዓነት መርከብ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብሚሳይላት ሑቲ ተሃሪማ ኣብ ኣፍደገ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ጥሒላ ምስ ምንባራ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ከኣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከቢድ ብከላ ከየስዕባ ዓቢ ስግኣት ከምዘሎ”ዮም ክኢላታት ይዛረቡ።
ፕረዚደንት ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ኣንተንዮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጠሓለት መርከብ ጥራይ ድሮ ካኣብ 45 ክሳብ 80 ኪሜ ዝተዘርግሐ ብከላ ኣስዒባ ምህላዋ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ካብ ሃዋኪል ዝተባህለ ደሴት 17 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዘሎ ማያት ብከላ ተራእዩ ምህላዉን፡ ገለ ኣብቲ ኵነታት ተገዳስነት ዘለዎም ትካላት ኣውሮጳ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ምስ ሰብመዚ ኤርትራ ርክብ ክምስርቱ ከምዘይክኣሉ ሓበሬታ ከምዘለዎ’ዩ ኢንጂነር ፓውሎ ዘረድእ።
ዝዀነ ይዅን ካብተን መርከብ ልሒዂ ንውሽጢ ባሕሪ ዝኣቱ ከሚካልን ነዳዲን፡ ንስነህይወታውያን ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ደሴታትን ሓደገኛ ምኳኑን፡ ዓሳታት’ውን፡ መርዛም ባእታ ብምምጋብ ክምረዙ ከምዝኽእሉን፡ እቲ ተገፊፉ ናብ ዕዳጋ ክኸይድ ዓሳ ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤን’ውን ቀሊል ከምዘይኮነ ስጋኣቱ ዘቐመጠ ኢንጅነር ፓውሎስ፡ ኩነታት ናይተን መራኽብን ከውርዶ ዝክእል ሳዕቤናትን ዓቢ ግምት ክወሃቦ ከምዝግባእ”ዩ ዝገልጽ።
ካብ ዝተበከለ ማያት ዝግፈፍ ዓሳ ኣብ መጻኢ ህይወት ደቂ ሰባትን፡ ኣብቲ ብዕድግን መሸጣን ዓሳ ዝነባበር ሕብረተሰብ ገማግም ባሕርን ከውርዶ ዝክእል ሓደጋ ቀሊል ከምዘይከውን ዝጠቐሰ ኢንጅነር ፓውሎስ፡ ኩነታት ናይተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝህረማ ዘለዋ መራኽብ፡ ንሂወት ደቂሰባትን ሂወታውያን ባሕርን ሓደጋ ክኸውን ከምዝኽል፡ ንዕዳጋ ምግፋፍ ዓሳ ውን ኣብ ሓደጋ ክእትዎ ከምዝኽእል”ዩ፡ እቲ ኤርትራዊ ክኢላ ባሕሪ ዘጠንቅቕ።
ምጥሓል ብሑቲ ዝተሃርማ መራኽብ፡ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ከኣ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ከቢድ ሓደጋ ኣብ ሂወታውያን ፈጢሩ ምህላዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ንቓልሲ ፍሊስጤማውያን ከምዝድግፍ ተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ምግላጽ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ንጉዳይ ብከላ ባሕሪ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።