ጉጅለ ህግደፍ ብዓሰርተታት ዝቁጸራ ዲጋታት ተሃኒጸን ኢሉ ብዙሕ ዝጃሃር እኳ እንተኾነ ንህዝብና ዝዓበሰኦ ቁምነገር ከምዘየለ ተሓቢሩ።
ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ዝተሃንጻ ዓሰርተታት ዲጋታት ዝፈተሐኦ ጸገማት ህዝብን ዘልመዐኦ መሬትን ከምዘየለ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እተን ሚልዮናት ሊትሮ ማይ ከዚነን ዘለዋ ማእከሎትን ዓበይትን ዲጋታት: ብመጠን’ቲ ሒዘንኦ ዘለዋ ብዝሒ ማይ ዛጊት ጸገምን መነባብሮን ህዝቢ ኣብ ምፍታሕ ዝጥቀስ ኣበርክቶ ከምዘይገበራ እቲ ናብ ኤሪፒኤም ዝተላእከ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።
ብናጻ ጉልበት ሰራዊትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከምኡ ውን ብኣበርክቶ ህዝቢ ዝተሰርሓ ዲጋታት: ኣብ ቀረባ ርሕቐት ከተማታት ኣስመራ: መንደፈራ: ምጽዋዕ: ኣቑርደት: ተሰነይን ካልኦት ብብዝሒ ህዝቢ ዝነብረለን ዓድታት ይሃልዋ እምበር ጸገም ዝስተ ማይ ግን ኣይፈታሓን።
ብኣንጻሩ ኣብ ከባቢ እዘን ዲጋታት ብናጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሕዩራትን ዝለምዕ ኣሕምልትን ኣታኽልትን ዝፈርያ ጤለበጊዕን ደርሁን ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ ዓድታት ዝተመንዝዐ ስቡሕ መሬትን መጋሃጫን ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ ገለ ካብተን ዲጋታት ድበት መሊአንን ክንክን ስለዘይግበረለንን: እቲ ዝድለ ብዝሒ ማይ ከምዘየዕቁራን ብግቡእ መከላኸሊ ሓጹርን መካበብያን ስለዘይብለን ጠንቂ ሞት ሰብን ጥሪትን ዕልቕልቕን ከምዝኾናን ኣብ ማዕናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ ተቓሊሑ ከምዘይፈልጥን ምንጭታትና ሓቢሮም።
ጉጅለ ህግደፍ: ነቲ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ: ህዝብና ዓሳን ፍርያት ጨውን ከይረብሓሉ ሓሪምዎ ከብቕዕ: ኣብ ማይ ዲጋታት ዝፈርዩ ዓሳታት ክምገብ ከምዝጀመረ ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ምዝራቡ ድማ ስጊንጢርን ነብሰ ቅሸሻን ኢዩ።
ገለ ኤርትራውያን ተዋዘይቲ: ነተን ግርማ ንዓይኒ ማይ መሊአን ክንሰን ጸገማት ህዝብና ግን ዘየቃለላ ዲጋታት: ኣብ መርዓን መመረቕታን ንመስኣሊ ርኹባት ሰባት ናብ ባጽዕ ምኻድ ኣድሒነን ከምዘለዋ ይገልጽወን።