ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዳባት ከኣ ብፍሉይ፡ መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሕሎ ኣብ ምስራሕን፡ ካብ ህዝቢ ዝተረከበ ደገፋት ኣብ ምቅራብን ዝጸንሐ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ሕጂ ውን በዓለ ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር፡ ን46 ስደተኛታት ገንዘባዊ ደገፍ ምግባሩ ተገሊጹ።
እቲ ዝተገብረ ደገፍ፡ ካብ ማሕረድቲ፡ መቅተልትን መጭወይትን መዓስከር ዳባት ኣምሊጦም፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዓቂቦም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዋህበ ምንባሩ ዝጠቀሰ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ መሕለፊ ኣውዳኣመት ዝኸውን 5ሽሕ ብር ብምሕጋዝ፡ 230 ሽሕ ወጻኢታት ምግባሩ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ቃላቱ፡ ካብ ዳባት ሃዲሙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዓቂቡ ናይ ዘሎ ስደተኛ ቁጽሪ ኣዝዩ ብዙሕ ምኳኑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እኹል ቀረብ ሰሪ ዘይምህላዉ፡ ን 46 ጽጉማት ዜጋታት ጥራሕ ንምሕጋዝ ከምዝተካእለን፡ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ስደተኛታት ዜጋታትና ንምህዳእ ውን ብዙሕ ስራሕ ከምዘድልን’ዩ ዝገልጽ።
መብዛሕቶኦም እቶም ካብ ዳባት ሃዲሞም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ንከቢድ ቁጠባዊ ጸገማት ዝተቃልዑን፡ ኣብ ህጹጽ ናይ ሓገዝ ደረጃ ዝበጽሑን ምኳኖም ወሲኹ ዝጠቀሰ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ኩሉ ዜጋ በብዓቅሙ ሽግራቶም ንምቅላል ክረባረብን፡ ቆላሕታ ክወሃቦምን ከምዝግባእ’ዩ ዘዘኻኽር።