ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ንእስነቶም ከይመነዉ ኣብ ኩናትን ማሕዩርን ዝቐትልን ዘሳቕን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ: ዕምሪ ዕድመ ኤርትራውያን ከምዝወሰኸ ገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ: ብኣጋጣሚ ዓለማዊ መዓልቲ ጥዕና ንሓለፍቲ ትካላት ውድብ ሕቡራትን ካልኦትን ኣኪቡ: ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዕምሪ ኤርትራውያን ካብ 55 ዓመት ናብ 68 ዓመት ከምዝወሰኸ ናይ ሓሶትን ምትላልን መግለጺ ሂቡ።
ኣብቲ ብ7 ሚያዝያ, 2026 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ኣኼባ: ወኪል ሚኒስትሪ ጥዕና ጉጅለ ህግደፍ: መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጽላት ጥዕና ብዘካየዶ ጻዕሪ ኣብ ምሕላውን ምምሕያሽን ጥዕና ዜጋታት ብሓፈሻ ኣብ ሞት ኣደታትን ህጻናትን ድማ ብፍላይ ዓወት ከምዝተመዝገበ ሓቢሩ።
እንተኾነ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ክውንነትን ሓቕን ኣየንጸባርቕን ጥራይ ዘይኮነ: ጽላት ጥዕና ኤርትራ ከም ካልኦት ሚኒስትሪታትን ትካላትን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝኽተሎ ኣዕናውን ገባትን ፖሊሲ: ብቕዓቱን ዓቕሙን ባይታ ዘቢጡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና ተሰዲዶምን ተሓይሮምን ኢዮም።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ክፍወስ ዝኽእል ሕማማት: ብሰንኪ ዋሕዲ ሓካይም: ስእነት መድሃኒትን መሳርሕን ይሳቐን ግዳይ ሞት ይኸውንን ኣሎ።
ኣብ ወጻኢ ክፍወሱ ዓቕሚ ወይ ዕድላት ዝረኸቡ ኤርትራውያን ከኣ ብዘይካ ሒደት ስድራቤት ሓለፍቲ ወይ ኣያ ዘለዎም: ጉጅለ ህግደፍ: ፍቃድ መውጽኢ ስለዘይህብ ዕጫኦም ሞትን ስቃይን ኢዩ።
እቲ ምድያብ ዕድመ ኤርትራውያን ምስ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ምዕራባውያንን ክወዳደር እንከሎ ብዙሕ ዘነይት እኳ እንተዘይኮነ: ቆጸራ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣካይዱ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ: እቲ ንምውሳኽ ዕድመ ኤርትራውያን ዝምልከት ጸብጻብ እውን ሓቕነቱ ብናጻ ኣካል መረጋገጺ የብሉን።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ: ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰል: ክቱር ድኽነት: ምፍልላይ ስድራቤታት: ስእነት ሕክምናን መድሃኒትን: ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስእነት ፍትሕን ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ መዋእል: ዕድሚኡ ክሓጽርን ብሕማም ክማስንን እምበር: ዕድመ ክወስኽ ሞጎታዊ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ: ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት እናኣህለቐን ስድራቤታት እናበታተነን እናኣዘኽተመን ብዘይ ክሲ ንዓመታት እናሓየረን እንከሎ: ዕምሪ ኤርትራውያን ወሲኹን ምጣነ ሞት ጉዲሉን ዝብል መግለጺ ምሃቡ ድማ: ብዘይካ “ዝብኢ ኣብዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ በለ” ካልእ ትርጉም የብሉን።