ብሰንኪ ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብሰላም ምንባር ስኢኖምን ተስፋ ቆሪጾምን ብቀጻሊ ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን: ብኣባላት ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ኢትዮጵያ: ዝተወደበን ዘይሕጋውን ምእሳርን ምኽፋል ገንዘብን ምጭዋይን የጋጥሞም ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጾም።
ብመሰረት እቶም ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ብኣባላት ጸጥታ ካብ መንበሪ ቤቶም ተኣሲሮም ገንዘብ ከፊሎም ክፍትሑ ዝተቀሰቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤሪፒኤም ዝለኣኽዎ ሓበሬታ: ብረት ዝዓጠቑን ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሱን ጉጅለታት ካብ መንበሪ ገዝኦም: “ንመርመራ ትድለ ኣለኻ” ብምባል ብዘይ ክስን ምኽንያትን ኣሲሮም ገንዘብ ከፊልካ ክትወጽእ የገድዱኻ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ግዳይ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ጭውያን ክፍሊት ገንዘብን ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት: ዝኸፍአ ጸገም ከየጋጥሞም ንቤተሰቦም ተለፎን ብምድዋል ኣሽሓት ገንዘብ ከፊሎም ካብ ማእሰርቲ ዝወጹኳ እንተኾኑ: ዓቕሚ ስኢኖምን ዝጣበቀሎም ዘይብሎምን: ብዘይ ፍርዲ ከምዝሕየሩን ሃለዋቶም ከምዝጠፍእን እቲ ዝረኸብናዮ ምንጪ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።
እቶም ግዳይ ዘይሕጋዊ ዝምታ ገንዘብን ማእሰርትን ምግፋዕን ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት: ኣሽሓት ገንዘብ ከፊሎም ምስወጹ ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታት: ስእሎምን ስሞምን ዝነብሩሉ ቦታን ብዝሓዙ ካልኦት ዕጡቃት ጸጥታ ዳግማይ ከምዝእሰሩን ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝግደዱን ኤርትራውያን ግዳያት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።
ሰልፊ ብልጽግና ዋላኳ ኢትዮጵያ ተቀባሊትን መዕቆቢትን ሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከምዝኾነት ንፖለቲካዊ ሃልኪ ወይ መመክሒ ዝጥቐመሉ እንተኾነ: ብተግባር ግን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ማእለያ ዘይብሉ ገበናት ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ።
ብኣንጻርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝህቦ ዝተጋነነን ምስሉይን ሓበሬታ: ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ቤተሰቦምን መቕርቦምን ዝለኣኸሎም ሓዋላ ገንዘብን: ቤተ ሰብ ንምርኣይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሹን ንዝተፈላለየ መዓላን ዘጥፍእዎን ሚልዮናት ገንዘብ ምንጪ እቶት ኮይኑ ከምዘሎ ዝሕባእ ኣይኮነን።
ከም ዝዝከር: ኣብ 2024 ከምኡ እውን ኣብ 2025 ዓመት ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ውዕላት ብምጥሓስ: ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ብመንገዲ ክልል ዓፋር ናብ ኤርትራ ከምዝጠረዘትን ኤርትራ ምስ ኣተዉ ብጉጅለ ህግደፍ ኣደዳ ማእሰርትን ምስዋርን ከምዝኾኑ ይፍለጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቀደሙ እውን ብግቡእ ክሰርሕ ዘይጸንሐ ትካል ስደተኛታት ወድብ ሕቡራት ሃገራት: ድሕሪ ኩናት ክልል ትግራይ ( 2020/2022) ካብ ኣገልግሎት ጠጠው ስለዝበለ: ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት: ብዘይ መንበርን መንቐሳቐስን ወረቐት: ብዘይ ፍቃድ ስራሕን ካልእ ናይ ስደተኛ መሰልን ስለዘይብሎም: ወትሩ ብፍርሕን ድኽነትን’ዮም ዝነብሩ።