እስራኤልን ሊባኖስን ን10 መዓልቲ ዝጸንሕ ግዚያዊ ምቊራጽ ተጻቦኦ ክግበራ ከምዝተሰማምዓ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናድል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ከምዝተዘራረበን፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ንምስፋን ዝተገብረ ጻዕሪ ፍረ ረኺቡ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ንዝቅጽል 10 መዓልታት ግጭት ብግዚያውነት ደው ንምባል ከምዝተረዳዳኣ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ምስ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሰፍ ዓውን፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁን፡ ብጣዕሚ ጽቡቅ ልዝብ ኣካይደ ኔረ ዝበለ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጐ ሃገራቶም ሰላም ንምውሓስ፡ ናይ 10 መዓልቲ ግዚያዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክፍርሙ ተሰማሚዖም ኣለዉ ክብል’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ብጻዕሪ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርክ ሮብዮ፡ እስራኤልን ሊባኖስን ድሕሪ ናይ 34 ዓመታት ግዜ፡ ትማሊ ሰሉን ንፈለማ እዋን ኣብ’ዚ ኣብ ዋሽንግተን ተራኺበን ዝበለ ፕረዚደንት ትራምፕ፡
ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርክ ሩብዮን፡ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬንን፡ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ብቅርበት ብምስራሕ፡ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ክጽዕቱን፡ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሰለማዊ መድረኽ ክከታተልዎ መምርሒ ከምዝሃበ ውን’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ቀንዲ ዕላማ እስራኤል ብምኳን ክጥቃዕ ዝጸንሐ ዕጡቅ ሓይሊ ሕዝቡላህ፡ ኣብቲ ዝተገብረ ስምምዓትን ዝተዋህበ መግለጺታትን ከምዘይተጠቅሰ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ግን፡ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሓይልታት እስራኤል ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ከይህልዎም ጸዊዑ’ሎ።
ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ እስራኤልን ሊባኖስን፡ ነቲ ምስ ኢራን ዝግበር ዘሎ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ’ውን፡ ሰለማዊ ድርኺት ዝፈጥር ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ፡ ድሮ ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከቦም ዓለምለካውያን ትካላት፡ እፎይታ ዝፈጥር ስምምዕ ብምባል፡ ነቲ ውሳነ ዘለዎም ናእዳ ምግላጾም’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።