ኢራን ነቲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲ ዓለም ኮይኑ ዝቐነየን፡ ቁጠባ ዓለም ናብ ቀውሲ ዝሸመመን መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚራ ምሉእ ብምሉእ ከምዝከፈተቶ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዓባስ ኣራግቺ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኢራን ድሕሪ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ዝርከብዎም መራሕቲ ዓለም፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሓጎሶም ዝገለጹ ኮይኖም፡ ይኹን እምበር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ዝኣወጀቶ እገዳ ምንቅስቃሳ መራኽብ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክቕጽል ምዃኑ ምግላጹ ግን፡ ነቲ ተስፋ ዝተረኽቦ ኩነታት ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ኣብ ፈረንሳ ክዘራረቡ ዝወዓሉ መራሕቲ ኣውሮጳ ብወገኖም፡ ኢራን ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ብምንኣድ፡ እቲ መጻብቦ ብዘይ ገደብን ክፍሊት ንሓዋሩ ክኽፈት ጻውዒቶም ዘቅረቡ ኮይኖም፡ ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ ብወገኖም፡ መግለጺ ኢራን ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝርአ፡ ምጽባይ ከምዘድሊ’ዮም ዘጠንቕቁ።
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ዜና ኢራን ዩራንየም ከተረክቦ ከም ዝተሰማምዐት ፕረዚደንት ትራምፕ ገሊጹ።
እዚ ጠለብ እዚ፡ ሓደ ካብቶም ኲናት ኢራን ንኸብቅዕ ክካየዱ ኣብ ዝቀነዩ ልዝባት፡ ቀንዲ ማሕንቖ ኰይኑ ዝጸንሐ ነጥቢ ምኳኑ ዝተገልጸ፡ ትራምፕ ግን፡ ሓድሽ ዝርርብ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ሰሙን ክጅምር ከም ዝኽእልን፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ስምምዕ ንኽበጽሓ ተቓሪበን ከምዘለዋን’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኲናት ኢራን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ ዝተዛረቦም ቃላት፡ እቲ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ገምጋም ከምዝኮነ ዝተፈላላዩ ኣካላት ዝገለጹ ኮይኖም፡ ዝመጽእ ሰሙን ኢራን ምስ ኣመሪካ ናብ ምሉእ ስምምዕ እንተበጺሓ፡ ምሉእ ጽገና ቁጠባዊ ሕውየት ክግበረላ ምኳኑ’ዩ ዝንገር።